Home ማሕበራዊ ዝተኮልፈ ናፅነት ኤርትራ

ዝተኮልፈ ናፅነት ኤርትራ

735
0

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቃልሲ ናፅነት ኤርትራ ክኾልፍ ሕቡእ ልእኽቶ ኣለዎ ክብል ተጋዳላይ ሓለፎም ኣለሙ /ቸንቶ/ ገሊፆም፡፡ተጋዳላይ ሓለፎም ኣለሙ ካብቶም ነባራት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ሓደ እዮም። ተጋዳላይ ሓለፎም ኣለሙ /ቸንቶ/ ካብ ትግራይ ሰጊሮም ሃለዋት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኽረጋገፅ ልዑል ግደ ኔርዎም። ከም ኣገላልፃ ተጋዳላይ ሓለፎም ቸንቶ ፤ ተጋደልቲ ትግራይ ምእንተ ናፅነት ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቓለሱን መስዋእቲ ከምዝኸፈሉን ኣዘኻኺሮም።

ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቃልሲ ናፅነት ኤርትራ ክኾልፍ ሑቡእ ልእኽቶ ከምዘለዎ ዘቃልዑ ተጋዳላይ ሓለፎም ቸንቶ ከም ሳዕቤኑ እውን ንብዙሓት ሓርበኛታት ተጋደልቲ ኤርትራ ከምዝቐንፀለ ሓቢሮም። ኲናት ምፅሕታርን ህዝቢ ምጭቋን መንበረ ስልጣን ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም መሳርሕታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዮም ዝበሉ ተጋዳላይ ሓለፎም ቸንቶ ቅድሚ 20 ዓመት ዝፈፀሞ ወራር ነዚ ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።

ካብ ዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ንነዘ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ፣ ብዓብይኡ ድማ ምስ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ተሻሪኩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ይፍፅም ከምዘሎን ናፅነት ኤርትራ ድማ ናብ ቀራና መንገዲ የጥሕሎ ምህላውን ገሊፆም።

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleመንግስቲ ትግራይ ልዕሊ 4,200 ሙሩኻት ብምሕረት ክልቀቑ ወሲኑ፡፡
Next articleዝተጨወየ ናፃነት ህዝቢ ኤርትራ