Home ማሕበራዊ ዝተጋደደ ዓፀባ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

ዝተጋደደ ዓፀባ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

970
0

ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ኣብ ዝኸፍአ ዓፀባ ከምዝርከቡ ገሊፆም::ብሰንኪ ፋሽስታውያንን መሻርክቶምን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ቀፃሊ ዝኾነ ክባን ዕፅዋን ንዝከፍአ ጥሜት ከምዝተሳጥሑን ፀገማቶም ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ምህላው ገሊፆም::ቀሺ ጎይትኦም ወ/ገብርኤል፣ መንእሰይ ሚላው በርሀን ወ/ሮ ራሄል ይትባረክን ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ወገናት እዮም::

ቅድሚ ወራር ብሕርሻን ልምዓት መስኖን ይመሓደሩ ከም ዝነበሩን ሐዚ ግን ብሰንኪ ፋሽስታውያንን ገበቲ ሓይልታትን ዘጥረይዎ ሃፍተ ገነቶም ተወሪሩ ኢድ ካልኦት ተፀበይቲ ከምዝኮኑን ምስ ስድርኦም ንፀገም ከምተሳጥሑን ገሊፆም::ምህርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይኮነን‘ዶ ንሰብ ዋናታቱስ ንመላእ ሃገር ዝከውን ምህርቲ ኣፍርዩ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምምፃእ ልዑል ግደ የበርክት ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ህዝቢ እቲ ከባቢ ኩሉ ነገር ስኢኑ ተፀባይ ኮይኑ ንፀገም ተሳጢሑ ከምዝርከብን ዝምልከቶም ኣካላት ክሕግዝዎም ፀዊዖም::

ብምዕራፍ ገ/ፃድቕ

Previous articleምስዋር መረዳታ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ
Next article70 ወገናት ብጥሜትን ስእነት ሕክምናን ሞይቶም