Home ማሕበራዊ ዝተጨወየ ናፃነት ህዝቢ ኤርትራ

ዝተጨወየ ናፃነት ህዝቢ ኤርትራ

733
0

ህዝቢ ኤርትራ ንናፅነቱ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጨውዩ ኣብ ፍፁም ባርነት ክነብር ይሰርሕ ምህላዉ ተንተንቲ ፖለቲካ ሓቢሮም፡፡ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናፅነት ህዝቢ ኤርትራ ጨወዩ ኣብ ባርነት ክነበር ዝፈረደ ስርዓት ምኳኑ ኣብ ቴሌቪዥን ኣሰና ቃለ-መሕትት ዘካየዱ ተንተንቲ ፖለቲካ ዑምራ መሓመድ ኣወልን ተስፋልደት በላይን ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፎም ናፅነትን ሉኣላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝደገፉ፣ ኣብ ጎኑ ደው ዝበሉን ዝተቃለሱን ምኳኖም ተስፋልደት በላይ ሓቢሩ፡፡ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባርነት ሸሚሙ፣ ምንባር ዝሰኣነ ድማ ናብ ስደት ኣምሪሑ፣ ተበታቲኑን ተቀቲሉን ኣብዘይ ምልከቶ ኲናት ኣትዩ ኣሎ ዝበለ ተስፋልደት በላይ ህዝቢ ኤርትራ ብደውካ ካብ ትመውት ንናፅነትካ ተቃለስ ክብል ሚዒዱ፡፡ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ጀኖሳይድ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ሕጊ ከቕርቦም ኣለዎ ክብል ዝገለፀ ድማ ዑምራ መሓመድ ኣወል እዩ፡፡

ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ንምብትታን ዝሰርሑ ዘለዉ ሓይልታት ህዝቢ ኤርትራ ይኣክል ክብሎም ኣለዎ ክብል ድማ ተስፋልደት በላይ ፀዊዑ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናፅነትካ ጨውዮ ኣብ መከራን ሕሰምን ኣወዲቁ ደቕካ ከፅንት ዝሰርሕ ዘሎ ውለቀ መላኪ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃምካ ከተበርክት ኣለካ ክብሉ እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ብትዕግስቲ ሓዱሽ

Previous articleዝተኮልፈ ናፅነት ኤርትራ
Next articleኢትዮጵያ ብምምዝባል ውሽጢ ዓዲ ቕድሚት ተሰሪዓ፡፡