Home ዜና ዝኽሪ ሰማእታት ነበርቲ ወረዳ ማይቅነጣል

ዝኽሪ ሰማእታት ነበርቲ ወረዳ ማይቅነጣል

ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ኣብ 2013 ዓ/ም ብሰራዊት ፋሽስት #ኣብይ ኣሕመድን ወራሪ ሰራዊት ውልቀ መላኺ #ኢሳያስ ኣፈወርቅን ህፃናት፣ መናእሰይ፣ ካህናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ንፁሃት ወገናት ብግፍዒ ተጨፍጪፎም እዮም:: በቶም ጨካናት ኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ደቀን ዝሰኣና ወ/ሮ እፀገነትን ወ/ሮ ለተብርሃንን ከምኡውን 3 ኣሕዋቱ ዝርከብዎም 6 ቤተሰቡ ዝሰኣነ መንእሰይ ሽሻይ ንኣባላት ስድራና ከካብ ገዝኦም ኣውፂኦም ከም ዝረሸንዎም ተዛሪቦም:: ብተግባራት #ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣይንስኾንን ዝበሉ እዞም ስድራ ግዳያት ሕዚውን ዘይከተተ #መንእሰይ ናብ ታዕሊም ንክወፍርን ስራሕቲ ደጀን ድማ ኣጠናኺሮም ከም ዘቅፅሉሉን ገሊፆም፡፡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ማይቅነጣል ኣይተ ገብረ ተ/ሃይማኖት ብግፍዓውያን ወረርቲ ብርክት ዝበሉ ወገናት ተረሺኖም፣ ኣካሎም ጎዲሎምን ደቂ-ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቃዕቲ ተፈፂምወንን እዩ ኢሎም:: ኣብቲ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ንዝተጨፍጨፉ ወገናት ንምዝካር ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ንሕሉፍ #ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘዘካኽሩ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝተኻየዱ እንትኾኑ ሰማእታት ንምዝካር ድማ ስነ ስርዓት ምውላዕ ጧፍ ተኻይዱ እዩ:: ብፍስሃ መዝገበ

1288
0
Previous articleትኹረት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ
Next articleዘይብተኽ ታርኻዊ ምትእስሳር ህዝቢታት ትግራይን ዓፋርን