Home ዜና ዝገደደ ዓፀባ ኣብ ምርኣይ ዝተሰኣና ተመዛባሊትኣብ ሕሉፍ ዓመት ፋሽሽታውያን ወረርቲ ብዝፈፀምዎ ግፍዕን...

ዝገደደ ዓፀባ ኣብ ምርኣይ ዝተሰኣና ተመዛባሊትኣብ ሕሉፍ ዓመት ፋሽሽታውያን ወረርቲ ብዝፈፀምዎ ግፍዕን ወራርን ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለት ምርኣይ ዝተሰኣና ንእስቲ ንዝተጋደደ ዓፀባ ተቓሊዓ ምህላዋ ገሊፃ፡፡

1237
0

ኣብ ሕሉፍ ዓመት ፋሽሽታውያን ወረርቲ ብዝፈፀምዎ ግፍዕን ወራርን ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለት ምርኣይ ዝተሰኣና ንእስቲ ንዝተጋደደ ዓፀባ ተቓሊዓ ምህላዋ ገሊፃ፡፡ፅብቕቲ በርሀ ትበሃል ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀለምቲ ብገበቲ ኣምሓራ ተመዛቢላ ናብ ከተማ መቐለ መፂኣ ብተፈጥሮ ዝሰኣነቶ ብርሃን ዓይና ከይገደባ ስሩዕ ትምህርታ ክትመሃር ፈቲና ዝነበረት ንአስቲ ኮይና ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ኣሽንካይ ዶ ቀለም ክትቆፅር ንዝኸፍአ ዓፀባ ተቓሊዓ እስትንፋሳ ንምሕዳር እኳ ኣብ ሕቶ ከምዝወደቐት ተዛሪባ፡፡ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ህሊናውን ኣካላውን ማህሰይቲ ይፍፅሙ ዋላ እንተሃለዉ እቲ ማህሰይቲ ብፍላይ ኣብ ጉድኣት ኣካል ከምዝዛይድ እታ ወገን ወሲኻ ገሊፃ፡፡ዝብላዕ ዝስተ ኣልባ ምዃኑ መብርሂ ዘይጠልብ መንበሪ ገዛ ፅብቕቲ ማይን እኽልን ተሓሪሙ መንበሪ ሳሬትን ሰበባን ካብ ዝኾን ብዙሕ እዋን ኣቑፂሩ ኣሎ ፡፡ጥር ትብል ጥረ ዝሓረማ ገዛ ፅብቕቲ ንደቓይቕ ልብኻ ኣውዲቕካ ንምድቃስ እውን ተኾነ ሰኣን መሸጎሪ እምነት ዘይተሕድረላ እያ፡፡ኣረመናውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብዝፍፅምዎ ዘለው ጀኖሳይድ መከረኦም ዝዛየደ ጉድኣት ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ፍሉይ ጠመተ ክገብረሎም ዝፀወዐት ንእስቲ ፅብቕቲ ወገን ንወገኑ ዝሕግዘሉ እዋን ሕዚ ስለዝኾነ ኩሉ ኢዱ ክዝርገሐላ ተላብያ፡፡ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማንራይትስዎችን ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ ፀብፃብ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ከባቢኡን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ፣ ሰራዊት ፋሽሽት ኣብይን ኣራዊት ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኢሳያስን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንሰትዮ ትግራይ ፆታዊ ባርነት ፣ ፆታዊ ዓመፅ ፣ ከቢድ ስነልቦናዊ ምህሰይቲ ከምዝፈፀሙን ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ብምፍፃም ሃፍቶምን ንብረቶምን ወሪሮም ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ምፍፃሞም ዕላዊ ፀብፃብ ምውፅኦም ይፍለጥ፡፡ብፋና ሊላይ

Previous articleብፋኖ ብጉጅለ ዝተደፈረት ተመዛበልቲ ንእስቲ
Next article“ብህይወት ክትነበሩ ኣይፍቀደኹምን ካብዛ መሬት ክነጥፍኣኩም ኢና”