Home ዜና ዝጥሕል ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያ

ዝጥሕል ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያ

1149
0

ልቓሕ ኢትዮጵያ ብትልሚ ብዘይምምርሑ እታ ሃገር ክትወፆ ናብ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ኣእትዩዋ ምህላዉ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ብመሰረት ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ኣባል ሃገራት ዘለወን ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንምፍታሕ ዝተረጋግዐ ፖለቲካን ደረጃ ዕቤት ሃገራትን እናተርኣየ ልቓሕ ከም ዝፍቀድ እንትኾነ፣ ግን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡ ስዒቡ ብሽም ሪፎርም ዝተፈቐደ ልቓሕ ዝተበላሸወ ክባሃል ዝኽእል ምዃኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ንቢቢሲ ሞያዊ ትንተና ዝሃቡ ዶክተር ኣየለ ገላን ቅድሚ 2010 ዓ.ም ብድምር ከባቢ 28 ቢልዮን ዶላር ዝነበረ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት ጥራይ ናብ 56.6 ቢልዮን ዶላር ምዕባዩ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ቅድሚ 2010 ዓ.ም ዝነበረ ልቓሕ ኣብ ስራሕ ዝውዕልን ምስ ፕሮጀክትታት ተተሓሒዙ ካሊእ ኣታዊ ዘዋህልልን ብምንባሩ፤ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ውሱን ፅልዋ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም በዓል ሞያ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ዝተዛብዐ ተስፋ ዝተውሃበ ልቓሕ ግን ካሊእ ኣታዊ ከዋህልል ብዘይምኽኣሉ ከቢድ ሸኽሚ ኮይኑ ምህላዉ ጠቒሶም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕዳ ምኽፋል ከቢድ ሸኽሚ ኮይኑ ምህላዉን ብደረጃ ፓርላማ ምኽፋል ዕዳ ኣብ ቀዳማይ ርእሲ ምቕማጡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዘማላኸቱ ዶክተር ኣየለ ገላን፤ ካብ ዓለም ለኸ ኣለቃሕቲ ጥራይ ልዕሊ 36 ቢልዮን ዶላር ሓዊስካ ካብ ኣለቃሕቲ ውሽጢ ዓዲ ናብ 56.6 ቢልዮን ምዕባዩ ሓደገኛን ንናህሪ ዋጋ ዘጋድድን ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ 2011 ዓ.ም ኢትዮጵያ ዕዳ ምኽፋል ናብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ምውራዳ ገሊፁ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ቢቢሲ፤ ካልኦት መለቃሕቲ ኣካላት ንጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ልቓሕ ምፍቃደን ስዒቡ ግን እታ ሃገር ናብ ዓዘቕቲ ኣውሪድዋ ምህላዉ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ #ትግራይ ዝፈፀመቶ ጀኖሳይዳዊ #ኲናት ስዒቡ ዕዳ ክስታኻኸለላ ናብ ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ሕቶ ምቕራባ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ኣየለ ገላን፤ ኣብዚ እዋን ኣቕሪባቶ ዘላ ሕቶ ግን ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ እዩ ኢሎም፡፡

ብትካላት ገንዘብ ዓለም ሰለስተ ዓይነት መስተኻኸሊ ዕዳ ዝበሃሉ፤ ምንዋሕ መኽፈሊ እዋን፣ ምስራዝን ምቕናስን ወለድ ምዃኖም ዝገለፁ እቶም በዓል ሞያ ቁጠባ፤ ምስቲ ኣትያቶ ዘላ ከቢድ ኲናት ንኢትዮጵያ ዝፅበያ ዕድል እቲ ዝኸፍአ ኮይኑ፤ ምንዋሕ መኽፈሊ ግዘ ወይ ድማ ጥቕሚ ሓፂር እዋንን ናይ ነዊሕ እዋን ስቓይን ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ብሰንኪ ዝተቖለለ ዕዳ ሚዛን ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንደገ ዘዘንበለ ኮይኑ ምህላዉን፤ ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ጥራይ 1.7 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ክትከፍል ምግዳዳ መርኣያ ውድቀት ቁጠባ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም በዓለ ሞያ፤ ን2015 ዓ.ም ካብ ዝፀደቐ በጀት መብዛሕቲኡ መኽፈሊ ዕዳ ኮይኑ ምፅዳቑ ኣብ ታሪኽ ሪኤምዎ ከም ዘይፈልጡ ሓቢሮም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ፕሮጀክትታት ዓፂፉ እናሃለወ፤ ካብ ትካላት ገንዘብ ዓለም ዝረኸቦ ልቓሕ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ መቐነት ተፈቲሑልና ክብል ምዝራቡን፤ ፍልፍል ንመማላኽዒ ቤተ-መንግስቲ ዝወፀ በጀት እንትሕተት ድማ ካብ ዘምፃእኹዎ ክይፈለጥኩም ክትሓቱኒ መሰል የብልኹምን ብምባል ዓበይቲ መዘናግዕታት ምስርሑ ይዝከር፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleእምቢታ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ
Next articleክትባት ፀረ ቫይረስ ኮረና