Home ማሕበራዊ ዝፈረሰ ማሕበራዊ ርክብ ኢትዮጵያ

ዝፈረሰ ማሕበራዊ ርክብ ኢትዮጵያ

846
0

ጀኖሳይድ ብዝፈፀመ ጉጅለ ፋሽስትን ዘራያቱን ሓድነት ኢትዮጵያ ከም ዝፈረሰ ፕሮፌሰር ህዝቂኤል ጋቢሳ ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ ዘፍርስ ዘሎ ሓይሊ ብስም ሓድነት ኢትዮጵያ ክምሕል ዝፀንሐ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ምዃኑ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ህዝቂኤል፤ ኢትዮጵያ ናብቲ ቅድሚ 1983 ዓ.ም ዝፀንሐትሉ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምምላስ ክብሉ እታ ሃገር ክተመዝግቦ ዝፀንሐት ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራሲን ተረሲዑ፤ ሕቶ ብህይወት ምንባርን ዘይምንባርን ኮይኑ ምህላዉ ምስ ዛራ ሚዲያ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ገሊፆም፡፡ 

ሓሰብካ ብነፃ ምግላፅ፣ ምስፋሕ ዴሞክራሲን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን መሬት ዘቢጦምላ ኣለዉ፤ ካብ ንኡሽተይ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ውሳነን ፕሮፓጋንዳ ሕሶትን ካብ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ጥራይ ክኸውን ብምግባር ኣብታ ሃገር ሓበሬታ ተዓፊኑ ከምዘሎ ፕሮፌሰር ህዝቂኤል ጋቢሳ ሓቢሮም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ዘሎ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ጉጅለ ለያቡ ከም ዝተለወጠ ድማ ሓቢሮም፡፡

ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ክሪፕቶክራቲክ ወይ ድማ ስርዓት ለይብነት እዩ ተለዊጡ፡፡ ኣብ ዙርያ ኣብይ ኣሕመድ ዘሎ ጉጅለ መሬት ይሰርቕ፣ በጀት ይሰርቕ፣ ዲፕሎማሲን ፖለቲካን የጭበርብር፡፡ እዙይ ድማ ስርዓታት ኣብ ዝወድቅሉ እዋን ዝረአ ክስተት እዩ ኢሎም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምስ መንግስቲ ትግራይ ክገብሮ እየ ዝብሎ ዘሎ ዘተ ሰላም ብፌርማን ስነ ስርዓትን ዘይተደገፈ ኣብ ግዚያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ተወሲኑ ዘሎ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ተንታኒ ፖለቲካ፤ ናብዚ ውሳነ ዝኣተወ እውን ካብ ልቢ ስለ ዝተቐበሎ ዘይኮነስ ካብ ሰራዊት ትግራይ ክበፅሖ ዝኽእል ከቢድ ውቅዒት ብጊዚያዊ ደው ምባል ተፃብኦ ተበሊፁ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝጎሃሃር ዘሎ ሕቶ ብሓይሊ ንምጭፍላቕ ይጥቀመሉ ምህላዉ ሓቢሮም፡፡

ብደረጃ ኢትዮጵያ ዘሎ ከቢድ ወጥሪ ብዘተ ሰላም ዕልባት ክረክብ ኢዩ ኢልካ ንምሕሳብ ዘኽእል ግዜ ኣይበፃሕናን፤ እንኳን ዶ ሙሉእ ዘተ ሰላም ክግበር ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ውግእ ደው ከብል ዝኽእል ደረጃ ፊርማ እውን ኣይተበፅሐን ዝበሉ ፕሮፌሰር ህዝቂኤል ጋቢሳ ኣብ ከባቢ ትግራይ ብብዝሓት ጠያይቲ ስለ ዘይተተኮሱ ተፃብኦ ደው ኢሉ ኣሎ ማለት ኣይኮነን ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ ዝፀንሐ ኲናት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ መላእ እቲ ክልል ብምስፍሕፍሑ ኣብ ከባቢታት ኣምቦ፣ ወለጋ፣ ወሊሶን ሰላሌን ውግኣት ይካየዱ ብምህላዎም ከም ሃገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምህላዋ ገሊፆም፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleተኸላ ፈልሲ መራሕቲ ሃይማኖት
Next articleግዝያዊ መፍትሒ ሰብ ሃፍቲ