Home ዜና ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምንታይ ይሕመስ ኣሎ?

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምንታይ ይሕመስ ኣሎ?

936
0

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ምስ ሃፍታም ኣረይቲ ሃፍቲ ነዳዲ ሃገራት ዓረብ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ባብ ኤልመንደብ ዝራኸብ መስመር እዩ፡፡ እዘን ሃፍታም ሃገራት ምስ ሃገራት ምዕራብ ቁጠባዊ ርክብ ዝፍፅማሉ እዉን እዩ። በዚ እውን ዓመታዊ 700 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝግመት ልውውጥ ንግዲ ዝግበረሉ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ብመንገዲ ባሕሪ ሜዲቲራንያን፣ ስዊዝ ቦይን ውቅያኖስ ህንድን ኣቢሉ ሃገራት ምዕራብ ምስ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ኤስያን ንግዲ ዘሳልጣሉ እዩ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ፡፡ ኣብ ድህረ ገፅ ሆርን ኣፌርስ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ብመሰረት ኣብቲ ዞባ ዘሎ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ጂኦፖለቲካ ስትራተጂ ዲፕሎማስን ፀጥታን ኢድ ኣእታውነት ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝረኣየሉን ተደጋጋሚ ብድርቂ ዝጥቃዕ፣ ግብረ ራዕድን ሸፋቱ ባሕርን ዝተስፋሕፍሕሉ ፍልፍል ተመዛበልቲ ወገናትን ኲናት ሕድሕድ ዘይፍለዮ ክፋል ዓለም እዩ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣዝዩ ዝነውሐ 2,500 ማይል ወሰን ባሕሪ ዝውንን ብምዃኑ ብርክት ዝበሉ ግብረ ራዕዳውያን ሸፋቱ ባሕርን ከምድላዮም ንምንቅስቃስ ምችዊ ባይታ ዘለዎን ብዘይዝኾነ ይኹን ከልካሊ ኣንፃር ረብሓ ብርክት ዝበላ ሃገራት ጠጠው ዝበሉ ሓይልታት ማእኸሎም ዝገበሩሉን እዩ፡፡ በዚ እውን ብኣብዝሓ መንቀሊ ምኽንያት ዓለም ለኻዊ ግብረ ራዕዲ እዩ ዝበሃል፡፡ እቲ ዞባ ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ዝበዝሐሉ እዩ፡፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃገራት ኤስያ ኣውሮፓን ማእኸላይ ምብራቅን ናብ ኣፍሪካ ንምእታው እዉን ከም ቐንዲ በሪ ዝጥቀማሉ እዩ፡፡

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ከምዝርከብ ዝገልፅ ነቲ ዞባ ብቕርበት ዝከታተሉ ሙሁራት ዛጊድ ከም ሓንቲ ሃገር ጠጠው ምባል ዝተስኣና ሶማልያ፣ ኣብ ሕድሕዳዊ ኲናት ዝተሸመማ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ፖለቲካዊ ምርግጋዕ ዝተስኣና ሱዳን ዝሓዘ እቲ ዞባ ካብዚ ሰጊሩ ምስ ኣልቃይዳ ርክብ ዘለዎም ከምኒ ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ግብረ ራዕዳውያን መዐንደሪ ካብ ዝኸውን ዓመታት ተቆፂሮም ኣለዉ፡፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝዓስከራላ ጅቡትን ብቅልውላው ዕድመ መግዛእታ ብዘናውሕ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ትምራሕ ኤርትራን ካልኦት ኣባላት እቲ ዞባ እየን፡፡ ብሓፈሻ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ቁመና ሃገራውነት ዘይረጋገፃ ግን ድማ ሃገራት ኢና ዝብላ ዝወደቃ ሃገራት፤ ድርቅን ጥምየትን ዝባህለን ሕድሕዳዊ ኵናት ዝመለለይአን ብምዃነን ብስፍሓት ኢድ ኣእታውነት ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ዝረኣዩሉ ዞባ ንክኸውን ምኽንያት ኾይኑ እዩ፡፡

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝርከባ ሃገራት ዝመርሑ መንግስታት ብኣብዝሓ ምስ ዲሞክራሲ ዓይኒን ሓመድን፣ ብዝመርሕዎ ህዝቢ ቅቡልነት ዘይብሎምን መንግስታት ምዃኖም ነቲ ዞባ ብቐረባ ዝከታተሉ ሙሁራት ዝረዳደእሉ ሓቂ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ’ዚ ዞባ ዘርከቡ መንግስታት ኣሽንባይዶ ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ወፃኢ ክኽልክሉ ይትረፍ ባዕሎም ዓዲሞም ዝእትዉ ኾይኖም ኣለዉ፡፡ እዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ንዓመታት ምርግጋዕን ሰላምን ንዝሓረሞ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ንቡር ሰላም ክምለስ ሓድነትን ሓቢርካ ምዕባይን ህዝብታት ዝንፀባረቀሉ ዞባ ንክኸውን ፃዕርታት ተገይሮም እዮም፡፡ ሰላም ንዝረሓቀን ኣብ ሩዋንዳ፣ ሱዳንን ሶማልያን ዝተልዓሉ ጎንፂ ብውሽጣዊ ዓቅሚ እተን ሃገራት እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ‘’ኢጋድ’’ ዝብል ጥምረት ብምፍጣር ዓቃቢ ሰላም ብምውፋር ንምርግጋፅ ሰላም እቲ ዞባ ፃዕርታት ተገይሮም እዮም፡፡

ኣብዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ግደ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ምንባሩ ይዝከር፡፡ ኢትዮጵያ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምርግጋዕን ኣብ ሞንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ዝረአ ጎንፂ ብዘተ ንምፍታሕ እተካይዶ መደብን ምንካይ ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ወፃእን ዝብል ፖሊስ ባህ ዘይብሎም ሓይልታት ግን ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ዝደኸሙን ውለቀ መለኽትን ብስም ለውጢ ምንቅስቃስ ኢና ዝብሉ ሓይልታት ከም መጋበርያ ክጥቀማ ጀሚረን፡፡ ብስም ለውጢ ናብ ስልጣን ዝመፀ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቅን ንዝተበታተነት ሶማልያ ጠርኒፉ ምምራሕ ዝተስኣኖ ፋርማጆን ድማ ሰይጣናዊ ቃል ኪዳን መስሪቶም እቲ ዞባ ምሕማስ ዕለታዊ ስሪሖም ገይሮሞ፡፡ ፕሬዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ፣ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ከምኡውን ፈተናታቱን መፍቲሒኡን ኣመልኪቶም ናብ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ማኪ ሳላን ካልኦት ሓለፍቲ ዓለምለኸ ውዳበታትን ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመራሕ መንግስቲ ኤርትራ ንሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቃስ የካይዱ ምህላዎም ምግላፆም ዝዝከር እዩ፡፡

ኢድ ኣእታውነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ካልእ ዋጋ ዘኽፍሎ ምዃኑ ዝሓበሩ ዶክተር ደብረፅዮን ብ2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንጎረባብቱ ዘይምርግጋዕ ብምፍጣር ተነቢሩሉ ዝነበረ ማዕቀብ ምስ ኢትዮጵያ ገይረዮ ብዝበሎ ስምምዕ ስዒቡ ክለዓል እንተተገበረ እውን ዝፈፀሞም ኣዕነውቲ ተግባራት ኣሽንባይዶ ክቅንስ ኣጠናኺሩ ምቅፃሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣዘኻኺሮም ምንባሮም ዝዝከር እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ምእንተ ማዕርነት ኩሉ መስዋእቲ ከፊሉ ጠንካራ ስርዓተ-መንግስቲ ሃኒፁ እኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ናብ ስልጣን ዝመፀ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዓዘቕቲ ኣእትዮም ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ይሰርሑ ኣለዉ፤ ብምዃኑ እውን ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ብዝስራሕ ስራሕ ዘይምዃኑ ዝሓበሩ ሙራትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይን ትግራይ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ተቀባልነትን ተደማፅነትን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ምዕባይ ሓላፍነት ወሲድካ ምስራሕ ንፅባሕ ዘይበሃል ኣገዳሲ ዛዕባ ምኻኑ እዩ ዘረጋግፁ፡፡ሰራዊት ትግራይ ሓይሊ ሰላም ምብራቅ ኣፍሪካ ኮይኑ መሊኡ ዝመፅእን ሙሉእ ድሕንነት ትግራይ ዝረጋገፅን ንሕና ደቂ ትግራይ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃእን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ እንትነበርኽ ምዃኑ እውን ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ሙሁራትን ብተደጋጋሚ ዝገልፅዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ፡፡

ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleምስ ሰለስተ ደቆም ዝተጋደሉ
Next articleድልውነት ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ