Home ዜና ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ኣጠቓቕማ ምግቢ ተክሊ ሞሪንጋ...

ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ኣጠቓቕማ ምግቢ ተክሊ ሞሪንጋ ኣድሂቡ ስልጠና ሂቡ፡፡

ተክሊ ሞሪንጋ ብዝተፈላለዩ ዓይነት ምግቢ ክዳለው ዝኽእል ነቲ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣጋጢሙ ዘሎ ዓፀቦ ዘቃልል ስርዓት ኣመጋግባ ዘመሓይሽ ዝተፈላለዩ ንጥረ ነገራት ዘካተተ ሃናፅን ሕማም ተካላኻልን ዓይነት ተኽሊ ከምዝኮነ ድማ ተሓቢሩ፡፡ ተክሊ #ሞሪንጋ ብዝተፈላለየ ዓይነት ምግቢ ብቀሊሉ ዝዳለው ስርዓት ኣመጋግባን ስነ መኣዛን ዘመሓይሽ ተኽሊ ከምዝኮነ ድማ እቶም ተሳተፍቲ ሓቢሮም፡፡ ኣብ ትግራይ ሕብረተሰብ ብልምዲ ኣሕምልቲ፣ ፍራምረን ስሩን ብምርምር ተደጊፎም ብዘመነታይ መንገዲ ክንጥቀመሎም ተወሳኪ ስራሕ ከምዘድሊ እቶም ወገናት ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣብ #ዩኒቨርስቲ ኣክሱም መተሓባበሪ ቀፅሪ ሽረ ዶክተር ተክለ ወልዱ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንምቅላል #ሕ/ሰብ ብቀሊሉ ፀገሙ ዝፈትሐሉን ስርዓት ኣመጋግቡኡ ዝመሓየሸሉን ፅንዓት ከምዝጀመረ ገሊፆም፡፡ ዩኒቨርስቲ #ኣክሱም እቲ ኣብ ተክሊ ሞሪንጋ ዝጀመሮ ምርምር ብምጥንካር ኣብ ሃገር በቆል ኣሕምልቲ፣ #ፍራምረን ሱሩን ተወሰክቲ ምርምርን ፅንዓትን የካይዱ ከምዘለዉ ዶ/ር ተክሉ ወሲኮም ሓቢሮም፡፡ ብጎይተኦም ተከስተ

1346
0
Previous article“ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለው ተቓረንቲ ሓይልታት ናብ ሓደ ክመፁ ኣለዎም፡፡ ”
Next articleብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ከምዝርከብን ህፁፅ መፍትሒ ከምዘድልዮን ዘ-ጋርዲያን ኣቃሊዑ፡፡