Home ዜና ደረት ኣልቦ ግፍዒ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ

ደረት ኣልቦ ግፍዒ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ

924
0

ገበቲ ሓይልታት አምሓራ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፈፀምዎን ዝፍፅምዎ ዘለዉን ገበን ጀኖሳይድ ንምክሓድ መረዳእታ ክህቡ እዮም ዝበሎዎም ወገናት ብምቅታልን ኣዕፅምቲ ተጋሩ ካብ መቃብር ብምውፃእ ብምስዋርን ተወስክቲ ገበናት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰቲት ሑመራ ገሊፆም፡፡ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዘይምቁራፅ ብመዝረ ደረት ኣልቦ ግፍዒ ፈፂሞምን እናፈፀሙን እዮም፡፡

ዝፈፀምዎ ግፍዒ ህዝቢ ዓለም ከይፈልጦ ድማ መረዳእታ ክህቡ ይክእሉ እዮም ንዝበልዎም ድሒሮም ንዝመፁ ተመዛበልቲ ኣብ ማእኸል መዕቆቢ ደደቢት እናሃለዉ ብደብዳብ ድሮን ብዙሓት ወገናት ንሞትን ምጉዳል ኣካልን ተሳጢሖም እዮም፡፡መቀፀልታ ናይቲ ክገብርዎ ዝፀንሑ ቅሉዕ ሽርሒ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣብቲ ዞባ ገበን ተፈፂሙ እዩ ኢሎም ናይ ሓባር ፀብፃብ ድሕሪ ምውፅኦም ነቲ ግሁድ ሓቂ ንምክሓድ ኣዕፅምቲ ካብ መቃብር እናፈሓሩ ዝፍፅምዎ ዘለዉ መነወሪ ተግባር ካብ ተሓታትነት ከምዘየድሕኖም ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰቲት ሑመራ ገሊፆም፡፡

ክልቲኦም ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘውፅእዎ ፀብፃብ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ ዝበሉ እቶም ነበርቲ ተወሰኽቲ መፅናዕታት ብምክያድ ዝተፈፀመ ግፍዒ ጀኖሳይድ ተባሂሉ ገበነኛታት ንክሕተቱ ተግባራዊ ስራሕቲ ክጅምር ይግባእ ኢሎም፡፡ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይት ዎችን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት፣ ገበን ኲናትን ምፅራይ ዓሌትን ተካይዱ እዩ፤ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካብቲ ዞባ ይውፅኡ ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ይግባእ ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን ዝሓዘ ፀብፃብ ምውፅኡ ይዝከር፡፡

ብጎይተኦም ተከስተ

Previous articleምዕባይ ባህሊ ምትሕግጋዝ
Next articleምክልኻል ዓፀባ