Home ዜና ደብዳብ ኣብ ዓብይ ዓዲ

ደብዳብ ኣብ ዓብይ ዓዲ

1092
0

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብዘካየዶ ደብዳባት ህፃናት ዝርከብዎም ንፁሃት ወገናት ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ጥቅምቲ 13 2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብዘካየዶ ደብዳባት ድሮን ህፃናት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ወገናት ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም፡፡

ኣብቶምም ብበዝሒ ህዝቢ ዝርከበሎም ዝፍፀሙ ዘለዉ ደብዳባት ፋሽስታውያን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ብምዃኖም ኩሉ ሓሪኑ ክቃለስ ከምዝግባእ ድማ ግዳያት ተዛሪቦም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ወራሪ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብበዝሒ ህዝቢ ዝነብረለን ከተማታትን ገፀራትን ዒላማ ብምግባር ክበፅሐሎም ዝኽእል ተኸታተልቲ ደብዳባት ከቢድ ብረት ኣብ ምክያድ ይርከቡ፡፡ ብኸቢድ ብረት ከብፅሑለን ኣብ ዘይከኣለ ከባብታት ድማ ንተኸታተልቲ መዓልታት ንኸተማታት ዓድዋ፣ ማይቅነጣልን ከባቢኣን ወርቅ ኣምባ፣ ዓብይ ዓድን ሰለን መንበሪ ሲቪላት ሰባት  ዒላማ ዝገበሩ ደብዳባት ድሮን ብምክያድ ህዝቢ ርዒዱ መረበቱ ሓዲጉ ክስደድ ይገብሩ ኣለዉ፡፡

ኣይተ ገ/ሚካኤል ኣብርሃ መራሒ ስድራ ነባሪ ከተማ ዓብይ ዓዲ እዩ፡፡ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ  ጥቅምቲ 13 2015 ዓ/ም ኣብታ ከተማ ብዘካየዶ ተኸታታሊ ደብዳብ ድሮን ወዲ ክልተ ዓመት ውላዱ ሽዑ ንሽዑ እንትመውት በዓልቲ ገዝኡ ብርቱኳን ገ/ሚካኤል ድማ ከቢድ መጉዳእቲ በፂሕዋ ኣሎ፡፡ እቶም ንፁሃት ሰባት ትኹረት ዝገበሩ ተደጋገምቲ መጥቃዕትታት ኣካል እቲ ወረርቲ ዝሓዝዎ ምፅናት ህዝቢ ምዃኑ ኣይተ ገ/ሚካኤል ገሊፁ፡፡

ሙልጌታ ወልዱ እውን ጎረቤት እቲ ግዳይ ዝኾነ ስድራ ከምዝኾነን ግዳያት ገዛ ኣብ ልዕሊኦም ፈሪሱ ጎረባብቶም  ከምዘውፅእዎምን ዝካየዱ ዘለዉ ደብዳባት ህዝቢ ንምፅናትን ንምብታንን ዝዓለሙ ምዃኖም ይዛረብ፡፡

በቶም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ደብዳባት ድሮን ህፃናት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ይሞቱን ይቖስሉን ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ወገናት ነዚ ድማ ውዳበኻ ኣስጢምካ ምቅላስ ብሕታዊ ኣማራፂ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ፀላእቲ ደብዳባት እንተካይዱ ሕብረተሰብ  ዓርሱ ንምድሓን ካብ ምእካብ ክቑጠብ ከምዝግባእ እቶም ወገናት ምዒዶም፡፡

ብ ገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleዋሕዚ መናእሰይ ናብ ቃልሲ
Next articleደብዳብ ድሮን ኣብ ከተማ መቐለ