Home ማሕበራዊ ደብዳብ ድሮን ከተማ ሽረ

ደብዳብ ድሮን ከተማ ሽረ

819
0

ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ህዝቢ ትግራይ ናይምፅናት ተግባሮም ብምቅፃል ትማሊ 4 ጥቅምቲ  2015 ዓ/ም ኣብ  ከተማ ሽረ ብዝፈፀምዎ ደብዳብ ድሮን  ዛጊድ 2 ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም፡፡  ክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝርከብዎም ቡዙሓት ሰባት ድማ ኸቢድ መጉዳእቲ ኣካል በፂሕዎም፡፡

ኣቀባሊ ቃል   ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍትስ ኣብ ሽረ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ረድኤት ሰራሕተታት ዘበፅሐ  ሓደጋ ከምዘደንገፆምን ድሕንነት ሰላምውያን ሰባት  ልዕሊ ክግለፅ ዝከኣል ንሓደጋ ምቅልዖም ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ድማ እናተጋደደ ምመፅኡ ሓቢሮም፡፡

 እቶም ሓይሊታት ፅንተት  ኣብዝሓለፉ ሓምሳን ሰለስተን መዓልቲታት  መዓልታዊ ብዝበሃል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰላማውያን ሰባትንን ዝፍፅምዎ ዘለዉ ደብዳብ ነፈርቲን ድሮን ከበድቲ ኣፅዋርን ድማ  ዕላማ እቶም ልፍንታወያን ዘቃለዐ  እዩ፡፡

ስለዝኾነ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ  ሃለዋቱ ንምውሓስ ናይዞም ሓይልታት ፅንተት ዕላማ ንምፍሻል ናብ ሰራዊት ትግራይ ክኸተትን ደጀን ኮይኑ ከጠናኽርን ከምዝግባእ  ስድራ ግዳያት ፀዊዖም  ፡፡

Previous articleሕራነ  ነበርቲ  ዓዲ ዳዕሮ
Next articleልፍንታውያን ወረርቲ ሎሚ 6 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ ብዘካይዱዎ ደብዳብ ሮኬት ሓንቲ ኣዶ ሞይተን