Home ዜና ደገፍ ንጉዱኣት ኣካል ሰራዊት ትግራይ ካብ ነበርቲ ተጋሩ ኣብ ሪያድ

ደገፍ ንጉዱኣት ኣካል ሰራዊት ትግራይ ካብ ነበርቲ ተጋሩ ኣብ ሪያድ

575
0

ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝርከቡ ዲያስፓራ ትግራይ ንልዕሊ 2500 ውጉኣት ሰራዊት ትግራይ ልዕሊ 3ነጥቢ 2 ሚልየን ብር ዝግመት ብዓይነት ሙሉእ ክዳንን መናፅህን ሓገዝ ገይሮም፡፡ተጋዳላይ ተስፋይ ኣረጋዊ፣ ተኽለብርሃን ገብሪሃንስን ተስፋ ተካልኝ ኣብ ማእኸል ጥዕና ሰራዊት ትግራይ ክትትል ሕክምና ዝገብሩ ዘለው ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እዮም፡፡

እዞም ኣባላት ሰራዊት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝነበሩ ዲያስፖራ ማሕበረሰብ ተጋሩ ገይሮምልና ዘለው ዘይተሓለለ ድጋፍ ማሕበራዊ ፀገማትና ካብ ምቅላል ብተወሳኺ ቀልጢፍና ድሒና ናብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ክንወፍር ሓቦ ዘስንቀና እዩ ክብሉ ስምዒቶም ገሊፆም፡፡

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ኣብ ሴንትራል ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሓላፊ ማእከል ዕደላ ንብረት ተጋዳላይ ወልደስላሰ ግደይ እዚ ሐገዝ ንሰራዊትናን ህዝብናን ዘለዎ ትርጉም ልዑል እዩ ድሕሪ ምባል ተጋሩ ነበርቲ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝለኣኽዎ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልየን ብር ንልዕሊ 2500 ውጉኣት ሰራዊት ትግራይ ዝዉዕል ብዓይነት ሙሉእ ክዳንን መናፅህን ከም ዘተረከቡ ሓቢሮም።እቶም ግዱሳት ተጋሩ ዝገበርዎ ሓገዝ ኣካል ናይቲ ቅድመ ሐዚ ዘካይድዎ ዝነበሩ መኸተ ብምዃኑ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቅፅልን ካልኦት እዉን ክስዕብዎ ከም ዘለዎ ገሊፆም፡፡

እቲ ሓገዝ ብትካል ገባሪ ሰናይ ሙሉ ሃይልስላሴን ተወካሊ ተጋሩ ነበርቲ ሪያድ ኣይተ ጌታቸው ሃ/ስላሰን ናብቲ ማእኸል ዝተረከበ እንትኾን ምእንቲ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ መስዋእትን ኣካል መጉዳእትን ንዝኸፈሉ ጀጋኑና እንገበሮ ሓገዝ ሰለ ዝኾነ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ውጉኣት ሰራዊትና ሓውዮም ናብ ንቡር ሂወቶም ክሳብ ዝምለሱ ብፅሒትና ቀፃሊ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ንልዕሊ 2500 ውጉኣት ሰራዊት ትግራይ ዝተገበረ ሓገዝ ብፓኼጅ ሙሉእ ክዳውንቲ መናፅህን ዘማለአ ኮይኑ ን2000 ተጋደልቲ ደቂ ተባዕትዮን ን500 ተጋዳልቲ ውግኣት ደቂ ኣንስትዮ ዝዉዕል ኮይኑ ጠቕላላ 3 ሚልዮንን 249 ሽሕን ብር ወፃኢ ከም ዝተገበሮ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ፡፡ #ብርሃነ መስፍን

Previous articleድሮ በዓል ሆሳእና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ማርያም ፅዮን
Next articleርኽክብ ስልጣን ነባርን ሓዱሽን ካብኔ መንግስቲ ትግራይ