Home ዜና ዳግመ ሕውየት ቁጠባ ትግራይ

ዳግመ ሕውየት ቁጠባ ትግራይ

888
0

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ብመንፅር ቁጠባ እንታይ ከምዝመስልን ብኸመይ ሓውዩ ናብ ንቡር ከምዝምለስን ዝዝቲ ዋዕላ ምሁራን ስነ ቁጠባ ተሳሊጡ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ዕንወት መሰረተ ልምዓትን ዝቕፅል ዘሎ ቁጠባዊ ሃሰያን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምሕዋይ ዓሊሙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ ግደ ሙሁራን ስነ-ቁጠባ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምክትል ፕሬዝደንት ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ተላብየን፡፡

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተመስረተ ማሕበር ኢኮኖሚስት ትግራይ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታትን ምርምርን ብምክያድ ምስ ትግራይ ዝስማዕምዑ ተሞክሮታት ብምቕማርን ኣብ ስሉጥ ዳግመ ህንፀትን ዘበን ሰገር ረብሓታት ትግራይ ንምርግጋፅን ትኹረት ገይሩ ይነጥፍ ከምዘሎ ድማ ኣቦ መንበር ማሕበር ኢኮኖሚስት ትግራይ ዶ/ር ኣርኣያ መብራህቱ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ትግራይ ምስ ጉጅለ ፋሽስት ዝነበሮ ቁጠባዊ ምትእስሳር ፤ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ስዒቡ ዝተፈፀመ ዕንወትን ወራርን ከምኡውን ቀፃሊ ቁጠባ ትግራይ ከመይ ከምዝህነፅን ዘድሀቡ ዛዕባታት ተዘትይሎም ኣሎ፡፡     

Previous articleዝርገሐ ዝናብ ኣብ ትግራይ
Next articleሃፍተ ገነት ንሕውየት