Home ዜና ዳግም ምጥያሽ ፖሊስ ትግራይ

ዳግም ምጥያሽ ፖሊስ ትግራይ

3306
0

ካብቶም ብወረርትን ገበቲ ሓይልታትን ሙሉእ ዕንወት ዝበፅሖም ህዝባዊ ትካላት ትግራይ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ሓደ እዩ፡፡

ወረርትን ገበቲ ሓይልታትን ነዚ ትካል ብምዕናው ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ኣርናቢ ክተርፍን ባዕሉ ንባዕሉ እናተበላልዐ ሰላም፣ ፀጥታን ድሕንነትን ዝሓረማ ትግራይ ንምፍጣር ዓሊሞም ዋላኳ እንተሰርሑ ህዝቢ ትግራይ ግን ንኹሉ ባዕለይ ኣለኩሉ ኢሉ ሰላምን ፀጥታን ከባቢኡ ባዕሉ እናሓለወ መፂኡ እዩ፡፡ ናይ ሎሚ ተመረቅቲ ድማ መሰረት ናይ ፅባሕ ህዝባዊ ፖሊስ ብምኻኖም ሕገ-መንግስቲ ትግራይ ብምኽባር ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግደኦም ከበርክቱ ይግባእ፤ ዝበሉ ኣብ ሰነ-ስርዓት ምረቃ ኣባላት ፖሊስ ዝተረኽቡ ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል እዮም፡፡

ምሩቓት ኣባላት ፖሊስ ትግራይ 2014 ዓ/ም

ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ድርብ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝተሸከምና ኢና ዝበሉ ኮሚሽነር ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ይሕደጎ ስዩም ብሰማእታትን ህልዋትን ብፆት ዝተውሃበና ሕድርን ሓላፍነትን ብምፅናዕ ትግራይ ካብ ባንዳታትን ጎሓላሉን ብምፅራይ ቃልሲ መኸተና ኣብ መወዳእታ ክነብፅሖ ኢና ክብሉ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ትግራይ ብቃልሲ ህዝቡ ናብ ሕጋዊ መምበሩ ካብ ዝምለስ ናብ’ዚ ድማ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ  ዳግም ንምውዳብን ምጥያሽን ብዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 360/14 መሰረት ካብ ሰራዊት ትግራይ ንሞያ ፖሊስነት ተመልሚሎም ዝመፁ ተጋደልቲ ፖሊሳውን ወትሃደራውን ሞያ ብምስልጣን 27 ጉንበት 2014 ዓ/ም ፕሬዝደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቖም፡፡

ተመረቅቲ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣንፃር ወረርትን ገበቲ ሓይልታትን ዝተገበረ ቃልሲ ዝተመዝገበ ዓወት ሙሉእ ዝከውን ውሽጣዊ ሰላምናን ድሕንነትናን ምስ እንሕሉ እዩ። ነዚ ንምርግጋፅ ድማ ካባና ዝግባእ ዋጋ ኩሉ ንምክፋል ድልዋት ኢና ኢሎም፡፡

ብሙስጦፋ ጡሃ

Previous articleግደ ሚዲያታት ንብራኸ ትግራይ
Next articleሸውሃት መስቀል ኣደባባይ