Home ማሕበራዊ “ድሌት ህዝቢ ትግራይ ኣይጉዕፀፅን” ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም

“ድሌት ህዝቢ ትግራይ ኣይጉዕፀፅን” ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም

578
0

—-

ጉዳይ ዘተ ሰለም ግዘ ዘይህብን ምስ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝተሓሓዝን ምዃኑ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም ገሊፆም፡፡

ምስ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝግበር ዘተ ሰላም ብውሕልናን ጥበብን ክምራሕ እዩ ክብሉ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ኣካላት ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክዳነዩ፣ ጉዳይ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ፣ ህልውና ሰራዊት ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ብመሰል ዓርሰ ውሳንኡ መሰሉ ምርግጋፅን ንዘተ ዘይቐርቡ ምዃኖም ዘረጋገፁ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም፤ ዝኾነ ይኹን ውድብ ወይ ድማ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ንድሌት ህዝቢ ትግራይ ክጉዕፅፅ ከም ዘይኽእል ሓቢሮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ቀደሙ እውን ብዓርሰ እምነቱን ብወታደራዊ መሪሕነቱን እንበር ማንም መስዋእቲ ከፊሉ ኣየድሓኖን ዝበሉ ኣምባሳደር ፍሰሃ፤ ድኻታት ኢኹም እሞ ገንዘብ ምስ ረኸብኩም ሕቶ መሰል ዓርሰ ውሳነ ክትገድፍዎ ኣለኩም ንዝብሉ ኣካላት፤ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ብኣግባቡ ክርድኡ ዘይከኣሉ ምዃኖም ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ክልተ ቁልፊ ጉዳያት ይመርሕ ምህላዉ ዝገለፁ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም፤ ብሓደ ገፅ ዘተ ሰላም ብውሕሉል ኣግባብ ዕድል ምሃብ እንትኾን በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ መኸተ ሰለስተ ውፅኢታዊ ስራሕ ምፍፃም ምዃኑን ኣብ መኸተ ሓደን ክልተን ዝተርኣየ ዓወት ብተዓፃፀፊ ምድጋም ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ጉዳይ ዘተ ሰላም ከይተጋነነን ከይፀልመተን ዝግብኦ ቦታ ሂብካ ጥራይ ክረአ ኣለዎ፡፡ ነዚ ድማ ኩሎም ደቂ ትግራይ ስርሖም ከዐውቱ ይግባእ ዝበሉ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም፤ ሒዝናዮ ዘሎና ምዕራፍ ገዚፍ ሓላፍነት ዘሸክምን ብውሕሉል ክንሳገሮ ዝግባእ ብምዃኑን፤ ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዘለዎም ኣረኣእያ ትኽክለኛ ሚዛን ክሕዝ ምስራሕ ከም ዘድሊ ሓቢሮም፡፡

ካብ ዘተ ሰላም ወፃኢ ዘለዉ መማረፂታት ኩሎም ኣብ ኢድናን ኣብ ዓቕሚናን ዝምስረት ምዃኑ ዝገለፁ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም፤ ፀላእትና ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝገብርዎ ዘለዉ ሽርሒ ኣብ ግምት ዘእተወን ንዝረኸብናዮም ዓወታት ዓቂብና ናብቲ ትግራይ እትደልዮ ደረጃ ክንበፅሕ ይግባእ ክብሉ ምስ ደደቢት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ገሊፆም፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleትግራይ ብደቃ ንደቃ
Next articleብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ማሕበረሰብ ሙስሊም ክሕጅጅ ከምዘይካኣለ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ገሊፁ፡