Home ዜና ድልውነት ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ

ድልውነት ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ

942
0

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ መድርኽ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ መድርኽ መስዋእትን ፅንዓትን፣ መድረኽ ሓቦን ውፍይነትን፣ መድርኽ ጥበብን ብልሕን ዝጠልብ ፀበባ መድረኽ እዩ፡፡ ወረርትን ፋሽስታውያንን ኣእላፍ ዘራያትን መሻርክትን ኣተኣኻኺቦም ንህዝቢ ትግራይ ከጥፍኡ ለይትን ቀትርን ድቃስ ስኢኖምስ ኩሉ ናይ ጥፍኣት ተግባር ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሞም እዮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ኣብ ዓፀባን ክባን ኮይኑ ንምዕዋት ህዝባዊ ቃልሱ መድርኽ ዝህባዊ ዋዕላ ኣካይዱ፡፡ ኣብ’ቲ መድርኽ ህዝቢ ትግራይ ገጢሙዎ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ብምፍንፃሕ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ከረጋግፅ ዱልዱል ምትእስሳር ደጀንን ግምባርን ብምፍጣር ናብ ወሳኒ ግጥም ንምስግጋር ከም ዝተዳለወ ተሳተፍቲ ህዝባዊ ዋዕላ ዞባ ደቡብ ትግራይ ገሊፆም፡፡ኣብ’ዚ ዝህባዊ ዋዕላ ዝተረኸባ ምክትል ፕሬዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር ንምዕዋት እቲ ህዝባዊ ኲናት ህዝብን ኣመራርሓን ኣብ ሓደ ብምስማር እቲ ሕዚ ገጢሙና ዘሎ ዕፅዋን ክባን ብምፍንፃሕ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ውሕስ ንምግባር ዱልዱል ምትእስሳር ደጀንን ግምባርን ብምፍጣር ናብ ወሳኒ ግጥም ንምስግጋር ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ ከም ዝኾነ ሓቢረን፡፡

ኣብ ህዝባዊ ዋዕላ ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ 107 ጣብያታት እታ ዞባ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዝተሳተፉ እንትኾን ኣብ ዝተልዓሉ ሪኢቶታትን ሕቶታትን ብዕምቆት ብምዝታይ ሓራ ዘይወፁ ግዝኣታት ትግራይ ሓራ ንምውፃእ፣ ዕፅዋን ክባን ብምፍንፃሕ ኮሪደር ንምኽፋትን ውሕስቲ ትግራይ ንምህናፅን ናብ ወሳኒ ግጥም ንምስግጋር ድልዋት ከም ዝኾኑ ኣብ ሓበራዊ መግለፂ ቅዋሞም ገሊፆም፡፡

ብማቸ ደበሳይ

Previous articleዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምንታይ ይሕመስ ኣሎ?
Next articleሽልማት ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም