Home ዜና ድሕሪ እቲ ሰሙን ዘቑፀረ ምርድዳእ ተፃብኦ ደው ምባል ሕዚ እውን ትካላት ገበርቲ...

ድሕሪ እቲ ሰሙን ዘቑፀረ ምርድዳእ ተፃብኦ ደው ምባል ሕዚ እውን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ናብ ትግራይ ምግቢ ከእትዎ ከምዘይካኣላ ተሓቢሩ፡፡

1271
0

ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዘድሃቡ ፅሓፋት ብምዝርጋሕ ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ ደቬክስ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ድሕሪ እቲ ኣብ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ትግራይ ኣዲሂቡ ዝገበሮ ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ውሳነ ክሳብ ሕዚ ኣብ ባይታ እዚ ዝበሃል ዝተቀየረ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ የለን ኢሉ፡፡
ስምምዕ ተፃብኦ ደው ምባል ካብ ዝእወጅ ሰሙን ሓሊፍዎ ኣሎ እንተኾነ ክሳብ ሕዚ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ምግቢ የለን ክብሉ ድማ ዋና ዳይርክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብረብዕ 21 መጋቢት 2014 ዓ/ም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጦም ኣለው፡፡
ፋሽሽታውያን ልፍንቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ን 6ተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ 5ተ ሚኢቲ መዓልታት ብክባን ዕፅዋን ጅሆ ምትሓዞም ካብቶም ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዝነውሑ ክልከላታት ሓደ ምዃኑ ዶክተር ቴድሮስ ኣገንዚቦም፡፡
ምስ ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ግርጭታት እንትወዳደር ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ገዚፍ ዕንቅፋት ዝገጠሞ ምዃኑ ዝገለፁ ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ቅድመ ምክልኻል ሓደጋ ጥዕና ሕቡራት ሃገራት ዶክተር ማይክ ሪያን ኮይኖም ኣብ ትግራይን ዩክሬንን ዝተወልዑ ኩናታት ኣዝዮም ዝተፈለዩ፡ ወረርቲ ሓይልታት ምንፃል ህዝቢ ኣካል ስልቶምን #ወተሃደራዊ ስትራተጅኦምን ዝገበርሉን ምዃኑ ኣነፂሮም፡፡
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና መጥቓዕቲ ምፍፃም ንዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት ዝጥሕስ ብምዃኑ ብህፁፅ ደው ክብል ኣለዎ ዝበሉ ኮይኖም ኩሎም ኣብ ጎንፂ ኢድ ዘሎም ሓይልታት ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ግዳያት ክበፅሕ ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ዝፀውዑ ድማ ዶክተር ማይክ ሪያን እዮም፡፡
ብፀጋይ መኮነን

Previous articleሰይጣን ከምስል የእዊ…
Next articleስግኣትን ተስፋን ሓረስታይ ትግራይ