Home ዜና ድሮ በዓል ሆሳእና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ማርያም ፅዮን

ድሮ በዓል ሆሳእና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ማርያም ፅዮን

874
0

ንኣሽሓት ዓመታት ከም በዓል ጥምቀት፣ ሕዳር ፅዮን፣ማርያ[ዓይኒ ዋሪ]፣ሆሳእናን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታዊ በዓላት እናኽበረት ክሳብ ሐዚ ቀፂላ ዘላ መበቆል ጥንታዊ ስልጣነን መናገሻ ታቦተ ፅዮን ዝኾነት ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም ንዝሓለፉ ዓመታት ማእኸል ስሕበት ቱሪዝም ኮይና ፀኒሓ ኢያ።


እንተኾነ ግና ኣብ 2013 ዓ/ም ወረርቲ ሓይልታት ናብ ትግራይ ኣትዮም ከቢድ ገበን ጀኖሳይድ እንትፍፅሙ ከተማ ኣክሱም ብርክት ዝበሉ ካህናት ዝርከብዎም ልዕሊ 1000 ነበርታ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብሰራዊት ኤርትራ ተጨፍጪፎም ከም ቆፅሊ ረጊፎምዋ እቶም ወገሐ ፀበሐ መዓዛ ዕጣን ዘይፍለዮም ጎደናታት ኣክሱም ብሽታ ደም ንፁሃን ተለዊጡ ከም ዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ዝምስከርዎ ክዉን ሓቂ ኢዩ።


እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብርክት ዝበሉ ፅባቐ ከተማ ኣኽሱም ዝኾኑ ቅርስታት፣ ሆቴላት፣ትካላት ንግዲ፣ ኤርፖርትን ካልኦትን በቶም ወወርቲ ሓይልታት ዓንዮምን ዝተመረፁ ድማ በቶም ወረርቲ ተጕሒሎም ከም ዝተወሰዱ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኣክሱም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኢዩ።


በቲ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ወራር ድማ ንዝሓለፉ ዓመታት በቢዓመቱ ብዝደመቐ ኣገባብ ኣማኢት ኣሽሓት ኣመንቲን ቱሪስታትን ኣብ ዝተረኸብሉ እናተኸበሩ ዝመፁ በዓል ሆሳእና፣ ሕዳር 21 ማርያም ፅዮን፣ዓይኒ ዋሪን ካልኦት ሃይማኖታዉን ባህላዉን ክብረ በዓላት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ኵናት ከም ዘይተኸበሩ ኢዩ።


ድሕሪ ክልተ ዓመት ጀኖሳይዳዊ ወራር ትግራይ ግና ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ብዝተበፀሐ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ሰላም ፅባሕ ዕለት 1 ሚያዝያ 2015 ዓ/ም ዋላኳ ከም ቀደሙ ብዝደመቐ ኣገባብ ክኽበር ኢዩ ኣይበሃል በነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኣን ተዓጂቡ በዓል ሆሳእና ከም ዝኽበር ተሓቢሩ።
እቶም ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዋሕዚ ፃዕዳ ነፀላ ዝለበሱ ኣሽሓት ኣመንትን ቱሪስታትን ሓሪምዎም ዝነበሩ ጎደናታት ኣኽሱምን ኣደባባይ ፅዮንን ዋላኳ ከምቲ ቅድሚ ኵናት ዝነበረ በዝሒ ዘለዎ ኣይኹን ፅባሕ ናብ ንቡር ክምለሱ ትፅቢት ይግበር። ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ

Previous articleተመዛበልትና ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ መረበረብቶም ክትምለሱ ንሰርሕ ኣሎና።
Next articleደገፍ ንጉዱኣት ኣካል ሰራዊት ትግራይ ካብ ነበርቲ ተጋሩ ኣብ ሪያድ