Home ዜና ዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ብሉፅ ኣፍሪካዊ ፅዕንቶ ፈጣሪ ኮይኖም ተሓሪዮም።

ዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ብሉፅ ኣፍሪካዊ ፅዕንቶ ፈጣሪ ኮይኖም ተሓሪዮም።

1444
0

5 ብሉፃት ኣፍሪካዊያን ፅዕንቶ ፈጠርቲ

—–

ዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ካብ 5 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኣፍሪካዊያን ቀዳማይ ደረጃ ከም ዝሓዙ ፤ ቢዝነስ ኢንሳይደር ኣፍሪካ ፀብፂቡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም፤ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝተልዓሉ ከበድቲ ስግኣታት ጥዕና መፍትሒ ክርከበሎምን ሓደሽቲ ምርምራትን ቅድመ ምክልኻል መድሓኒታትን ክፍጠሩ ኣብ ምትሕብባር ዓለም ዘድሓነ ተግባር ምፍፃሞም መፅሄት ቢዝነስ ኢንሳይደር ኣፍሪካ ፀብፂቡ፡፡

“ዓለም ለኸ ትካላት ብኣፍሪካዊያን ይመርሓ” ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፤ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ስግኣቶም ክገልፁ ምርኣዮም ዝተለመደ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መፅሄት፤ ከም በዓል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝኣመሰሉ ብሱላት ሰባት ግን መርኣያ ዓለም ኮይኖም ሰባት ከድሕኑ ምርኣይ ነቶም ዝሰግኡ ሰባት ቀሊል መፍትሒ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡፡

መሰረቶም ትግራይ ዝኾነ ዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም፤ ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ተኣምራዊ ለውጢ ዘመዝገቡን ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ጥዕናን ሓገዝቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ከም ዓሶን ኤች ኣይቪ ኤድስን ዝኣምሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ምክልኻል ውፅኢታዊ ስራሕ ምፍፃሞም ዝጠቐሰ መፅሄት ቢዝነስ ኢንሳይደር፤ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ስዒቡ ብደረጃ ዓለም ዝተፈጠረ ስግኣት ንምፍታሕ ተመራመርቲን ሰብ ሞያ ጥዕናን ብምጥቃም ዘርኣይዎ ብስለት ንዕውትነቶም መርኣያ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡፡

ንዶክተር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ስዒቦም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ደረጃ ዝተሰርዑ፤ ሓላፊት ንግዲ ዓለም ንጎዚ ኦኮንጆ ፣ ሓላፊ ኦፔክ ሞሓመድ ሳንሲ ፣ ዳይሬክተር ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ዊኒ ቢያኒማን ምክትል ሓላፊት ባንኪ ዓለም ኣንቶይኔቴ ሳዬህን ተጠቒሶም ኣለዉ፡፡5 highly influential Africans leading top global organizations | Business Insider Africa

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous article”እቲ ስምምነት ሰላም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን እዩ  ስለዚ ነናይ ባዕልና ሓላፍነት ኣለና መንግስቲ ኤርትራን ሓይሊታት ኣምሓራን ምስ ስራዊት ኢትዮጵያን ኮይኖም እዮም ናብቲ ኩናት ኣትዮም።ንዐኦም ናይ ምውፃእን  ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ምኽልኻልን እዩ።” /ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ/
Next articleዑደት ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት