Home ዜና ጀኖሳይድ ትግራይ ዕላዊ ይኹን – ቮን ባተን ሞንታግው

ጀኖሳይድ ትግራይ ዕላዊ ይኹን – ቮን ባተን ሞንታግው

832
0

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢዱ ንዘሎ ፀብፃብ ጀኖሳይድ ትግራይ ዕላዊ ክገብሮ ፃዊዒት ቀሪቡ፡፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ፍሉጥ ኣማኻሪ ሕግን ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኾነ ቮን ባተን ሞንታግው ዝተባህለ ትካል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ምፅናት ህዝቢ ንዝፈፀመ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ተሓታቲ እንከይገበረ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ገበን ኲናት ፈፂሙ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ተሓታቲ ክገብሮ ኣይኽእልን እዩ፣ ክብል ኣብ ድሕረ ገፅ ቲዊተር ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ ገሊፁ፡፡

ስለዚ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ(State Department) ነቲ ኣብ ኢዱ በፂሑ ዘሎ ፀብፃብ ጀኖሳይድ ትግራይ ዕላዊ ክገብሮ ይግባእ ክብል ፃዊዒት ኣቕሪቡ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ምሉእ ኣቓልብኡ ኣብ ጉዳይ ሩስያን ዩክሬንን ገይሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፕረዚደንት ኣሜርካ ጆ ባይደን ነቲ ብዕሱባት ሰራዊት ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ኣራዊት ሰራዊት ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክርስዕዎ ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleታሪኽ ኣብ ዘይዕድሚኣን ብዘይድሌታን ኣዶ ክትኾን ዝተገደደት ጓል 16 ዓመት
Next article“ሓመድ እዩ ዘይፈሰሰና እምበር ሞይትና ኢና” ተመዛባሊት ቃፍታ ሑመራ