Home ዜና ገበናት ፅንተት ዘርኢ ትግራይ

ገበናት ፅንተት ዘርኢ ትግራይ

947
0

—–

ንመርማሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ኮሚሽን መፅናዕቲ #ጀኖሳይድ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ #ትግራይ ንዝካየድ ምርመራ ገበናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት መፅናዕቲ ብምክያድ መረዳእታ ብምእካብን መርማሪ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

በዝሕን ዓይነትን ገበናት ፅንተት ዘርኢ ትግራይ ንምምርማር ሓበሬታን መረዳታን ኣብ ምእካብ ከምዝርከብ ዝገለፁ ኮሚሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ የማነ ዘርኣይ ትካሎም ኣብ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን መራሕቲ ስድራ ትኹረት ገይሩ ተልእኽኡ ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

መርማሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መንግስታት ነቲ ምስ ሰብኣዊ መሰል #ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣካይደዮ ዝበሎ ፀብፃብ ፤ንትግራይ ሓዊሱ ብበዝሒ ተቛውሞ ሃገራት ዓለም ከምዝበፅሖን ተቀባልነት ከምዝሰኣነን፤ ዳግም ንክምርምር ከምዝተወሰነን ድማ ኮሚሽነር የማነ ዘርኣይ ኣረዲኦም፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ምርመራ ገበናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መፅናዕቲ ዝተደገፈ መረዳእታ ብምእካብ፣ ንመርማሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ድማ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ዶክተር ኣለምፀሃይ ፀጋይ  ኣረጋጊፀን፡፡

እቲ ዝካየድ ምርመራ ንምእካብ ሓበሬታን ሽትኡ ንምዕዋት ተሳትፎ ህዝቢ ልዑል ክኸውን ከምዝግባእ ዝገለፁ መራሕቲ ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን ፤ ብፍላይ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ድሑር ኣሉታዊ ፅልዋን ስግኣትን ናፃ ኮይነን ሓሳበን ክገልፃ ደገፍ ከምዘድልየን ሓቢሮም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous article“ትግራይ ብክእለትና ክንሃንፃ ኢና።”መናእሰይ ሰርከስ ወወክማ መቐለ
Next articleንሰላም ዝወፈሩ ሰላም ዝሰአኑ