Home ዜና ገበን ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ዘላምበሳ

ገበን ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ዘላምበሳ

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ንምፍፃም ምንቅስቓሳት ይገብር ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ከተማ ዘላምበሳ ኣፍሊጡ፡፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ገበን ጀኖሳይድ ከይኣክል ሕዚ እውን ኣብ ከተማ ዘላንበሳ ንዝርከብ ህዝቢ እናጋፈዐን ናብ ህዝቢ ከቢድ ብረት ይትኩስ ከምዘሎን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ከተማ ዘላምበሳ ኣይተ ነብዮ ስዩም ገሊፆም፡፡ ንጥፍኣት ህዝቢ ትግራይ ኮነ ኢሉ ዝተበገሰ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፀጥታ እቲ ኸባቢ ንምርባሽ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰብ ብምክያድ ገበን ክፍፀም ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ኣይተ ነብዮ ኣረዲኦም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መረበቱ ንምንባር ብውለቀ መለኽቲ መለለይ መንነት ክዕደሉ እንተዘይኮይኑ ድማ ክጓሓፉን ክበሳበሱን ይገብር ከምዘሎን ኮነ ኢሉ እውን ህዝቢ ንምርዓድ ብርክት ዘበለ ድፋዕ እናኳዓተ ከምዝርከብን ኣይተ ነብዩ ወሲኾም ገሊፆም፡፡ ብምዃኑ እውን ይብሉ ኣይተ ነብዩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣፈላላይ ክፍጠር ዝገብሮ ዘሎ እከይ ተግባር ህዝቢ ኤርትራ ተረዲኡ ምስ ሓው ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ንናይ ሓባር ፀላኢኡ ንምጥፋእ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ክቅፅለሉ ፀዊዖም፡፡ ብኢየሩሳሌም ገ/መድህን

1257
0
Previous articleህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሰን ከምዘሐይላ ዋዕሮታት ትግራይ ገሊፀን፡፡
Next articleሂወት ተመዛበልቲ ኣዴታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ተሰጋጊሩ፡፡