Home ዜና ገዝኡ ከየፅረየ ገዛ ጎረቤት ዝኹስትር መራሒ

ገዝኡ ከየፅረየ ገዛ ጎረቤት ዝኹስትር መራሒ

900
0

መሰል ናፅነት ኤርትራዊያን ኣብ ውልቀ ቁፅፅር ዘእተወ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ሰላም ከስፍን እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ምዃኑ ነባር ተቓላሳይ ከራር ህያቡ ገሊፁ፡፡

ህላወ ፖለቲከኛታት፣ ነፃ ውድባት፣ ማዕኸን ሓበሬታታት፤ ከምኡ ድማ ናፅነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብውልቀ ስልጣኑ ብሒቱ ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፤ ኣብ መበል 31 ዓመት ፅምብል ናፅነት ተረኺቡ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ምዝራቡ ዘገርምን ኣብ ተግባር ክውዕል ዘይኽእልን ምዃኑ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ውህሉል ተሞክሮ ዘለዎ ኣይተ ከራር ህያቡ ተዛሪቡ፡፡

ካብ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንላዕሊ መራሕቲ ኢትዮጵያን ካልኦትን ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ፖለቲከኛን መራሒ ሃገርን ተቐቢሎም ክጓየዩ ምርኣይ ዘገርም ጉዳይ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ነባር ፖለቲከኛ ልዕሊ እቶም መራሕቲ ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣንዳዕዲዑ ስለዝርዳእ ዕድመ እዞም መራሕቲ ንኽሓፅር ሓበራዊ ቃልሲ ኣድላይ ምዃኑ ጠቒሱ፡፡

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኢትዮጵያውያን እንተነኣሰ ተዛሪብካ ምሕዳርን ውልቃዊ ቁጠባዊ ዓቕሚኻ ምዕባይ ከምኡ ድማ መማረፂ ሚዲያታት ምክትታል ይኽእሉ ኔሮም እዮም፡፡ ኤርትራዊ ኰይንካ ሓሳብካ ንምግላፅ ግን ናይ ግድን ኤርትራ ለቒቕካ ክትስደድ ወይ ድማ ቤት ማእሰርቲ ከም ገዛኻ ምቕባል ግድን ምዃኑ ዘዘኻኸረ ኣይተ ከራር ህዝቢ ኤርትራ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተለገሰትሉ ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሓንቲ ራድዮን ቴሌቪዥንን ጥራይ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡፡

ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ጀሚርዎ ዝነበረ ኢድ ኣእታውነት ብህዝቢ ሶማል ተነፂጉ ካብ ስልጣኑ ዝተባረረ ቀንዲ መሻርኽቲ ኢሳያስ ዝነበረ ፎርማጆ ተኪኡ ናብ ስልጣን ደይቡ ዘሎ ፕረዝዳንት ሸኽ ሓሰን ሸሪፍ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ ዘብፀሖ ተግባር ሕነ ምፍዳይ ንምዕፃፍ ቃል ምእታዉን እዚ ድማ ንቕሓት ሶማልያውያን ዘማላኽት ምዃኑ ነባር ፖለቲከኛ ኣይተ ከራር ሓቢሩ፡፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፤ መንእሰያት ኤርትራ ኣዕጢቑ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓመፅትን ብምልኣኽ ግዳይ ሞት ይገብሮም ምፅንሑን፤ ዝኾነት ሃገር ድማ ካብ ተግባር ኢሳያስ ሰናይ ልምዲ ክትቀስም ኣይትኽእልን ዝበለ ኣይተ ከራር፤ እቶም ካብ ሶማሊያ መፂኦም ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ መናእሰይ እውን ግዳይ ጥፍኣት ስርዓት ኢሳያስ ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢሉ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous article“ልዒሊ 40 ንፁሃት ቐቲለ ልዕሊ 30 በይነይ ዓሚፀ” ሙሩኽ ስርዓት ኢሳያስ
Next articleመሊኡ ዝፈሰሰ ግፍዒ“ልዕሊ 40 ንፁሃት ቐቲለ ልዕሊ 30 በይነይ ዓሚፀ” ሙሩኽ ሻዕብያ