Home ዜና ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዝተፀሓፎ ደብዳበ ተቀባልነት ከምዘይብሉ...

ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዝተፀሓፎ ደብዳበ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ፡፡

1892
0


መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትን ትግራይ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ለካቲት 1/2015 ዓ/ም ናብ ሕድሕድ ሃገረ ስብከት ትግራይ ዝተፀሓፈ ደብዳበ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ፡፡


ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ለካቲት 1/2015 ዓ/ም ናብ ሕድሕድ ሃገረ ስብከት ትግራይ ዝፀሓፎ ደብዳበ ህዝቢ ትግራይ ዋጋ ከፍሉ ዝመስረቶ መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ንምብትታትን ዝዓለመ ከምዝኾነ ድማ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ገሊፆም፡፡


ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ኣብያተ እምነትን ኣመንቲን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ግፍዒ እንትፍፀም ክተውግዝ ከምዘይከኣለት ዝሓበሩ እቶም ልቃነ ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ቤተክህነት ትግራይ ንቅድሚት ከምትስጉምን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ድማ ዝገብሮ ኩለመዳይ ደገፍ ኣጠናኽሩ ክቅፅልን ፀዊዖም፡፡


ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ተረኽቡ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ሙሉእ ንክኾውን ኣብ ዝቕፅል ሶኑይ ለካቲት 13 /2015 ዓ/ም ዝጅምር ዓብዪ ፆም ኩሉ ህዝበ ክርስትያን ብዝግባእ ፆምን ፀሎትን ክገብር እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡ብታደለ ዳኘው

Previous articleብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህወሓትን በዓል 11 ለካቲት ዝተዋህበ ውድባዊ መግለፂ
Next articleምስረታ ፋብሪካ ስሚንቶ ኣብ ትግራይ