Home ማሕበራዊ ጉዕዞ ኲናትን ቁጠባዊ ውድቀትን

ጉዕዞ ኲናትን ቁጠባዊ ውድቀትን

825
0

ብሽርሕን ምጭብርባርን ስልጣን ዝጨበጠ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ን27 ዓመታት ዝተዋህለለ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ኣጒዱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያውን ሓደጋ ከም ዝገጠሞ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኢትዮጵያ ወኒናቶ ዝፀንሐት ማሕበረ-ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ለውጢ ንቑልቁል ተደፊኡ ምህላዉ ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ክወፁ ፀኒሖም እዮም፡፡ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ 9 ኣዋርሕ ጉጅለ ፋሽስት ሒዙ ዝወፀ ቢቢሲ ዝቕባበ ዋጋ ኢትዮጵያ ምስ 2013 ዓ.ም ተመሳሳሊ ወርሒ እንትነፃፀር 36.6 ሚኢታዊ ወሰኽ ዘርአየ እንትኾን፤ ምስ ሕሉፍ ወርሒ እንትነፃፀር ድማ 43 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዝርኣየ ገሊፁ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናህሪ ዋጋ ናብ ሓደ ኣሃዝ ንምውራድ ፃዕሪ ክገብር ምፅንሑን ከምዘይተዓወተን ዘመላኸተ ቢቢሲ ንውድቀቱ ቀንዲ ተሓተትቲ ድማ ውሽጣዊን ባዕላዊን ምዃኖም ዕላዊ ጌሩ ኣሎ፡፡ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ወራርን ነቲ ወራር ስዒቡ ዝተፈጠረ ቅልውላው ክፃወሮ ዘይምኽኣሉን፣ ንድርቂን ምፍንቓልን ስዒቡ ዝተፈጠረ ጥሜት ንምቁፅፃር ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ የኽፍሎ ምህላዉ ገሊፁ፡፡ ልሳን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብግዲኡ፤ ኣብታ ሃገር ተሓላሊኹ ዘሎ መሓውር ንግዲ ብስርዓት ንምምራሕ እውን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ገጢሙና ዘሎ ኲናት ብደረጃ ሃገር ተፈጢሩ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ከቢድ ሞትን ኣብ ደቂ ሰባት ገጢሙና ዘሎ ጥሜትን እዛ ሃገር ከቢድ ዋጋ ክትከፍል ኣገዲድዋ ኣሎ፡፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፣ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ኣብ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ታራ ይፃወቱ ኣለዉ፡፡ ዘራያት ኣኪቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈቶ ቅሉዕ ወራር ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ጉጅለ ፋሽስት ደመና ጥፍኣት ከንፀላልዎ ምኽኣሉን እታ ሃገር ካብ ዕድል ኣገዋ ምስራዛን ናብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኣትያ ምህላዋ ዘረጋገፀ ዋዕላ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ከምዚ ዓይነት ወጥሪ ኮይኑ 6.6 ሚኢታዊ ከም ዝዓበየ ድማ ባዕሉ ንባዕሉ ዝዋቓዕ ሓሳብ ምቕራቡ ልሳናት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ይገልፃ ኣለዋ፡፡

ዕንወት መሰረተ ልምዓት፣ ምፍንቓልን ምትእጉጓል ምንቅስቓስ ንግዲን ከምኡ ድማ ብደረጃ ሃገር ዝተፈጠረ ቅልውላው ከቢድ ቁጠባዊ ሃሰያ ከም ዝበፅሖ ዝኣመነ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ ሽንፍላል ወዲቑ ኣሎ፡፡ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብስም ሃገራዊ ኣማኻሪ ቁጠባ ዘጣየሾ ኮሚቴ ገምጊምዎ ተባሂሉ ዝቐረበ ገምጋም ድርቂን ኲናትን ስዒቦም ብዝተፈጠሩ ቅልውላዋት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን እንስሳን ከቢድ ዕንወት የብፅሕ ምህላዉ ገሊፁ ኣሎ፡፡ ብሕድሕድ ኲናት፣ ድርቂ፣ ምፍንቓልን ናህሪ ዋጋን ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ክትወፆ ኣብ ዘይትኽእል መዋጥር ምእታዋ ብርክት ዝበሉ ፖለቲከኛታትን ሰብ ሞያ ቁጠባን ክገልፁ ዝፀንሑ እንትኮኑ ኢትዮጵያ ክሳብ እዚ እዋን ክትገብሮ ዝፀንሐት ድጎማ ነዳዲ ምፅዋር ኣብዩዋ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ናይ 10 ቢልዮን ብር ጉድለት በጀት ገጢምዋ ምህላዉ ዶችቬሌ ፀብፂቡ፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ሃይሉ

Previous articleብሽርሒ ዘይብዳህ ቃልሲ
Next articleርክብ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ብምጥንኻር በብእዋኑ ዘጋጥሙ ጎንፅታት ክንኣልዮም ይግባእ – ኣቦ ገረባት