Home ዜና ጉዳይ ውራ መሬት ከተማ መቐለ

ጉዳይ ውራ መሬት ከተማ መቐለ

527
0

ኣብ ከተማ መቐለ ዛጊድ ብዝተገበረ መፅናዕቲ 184 ሄክታር መሬት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምውራሩ ከምዘረጋገፀ ቤት ፅሕፈት ኣጠቃቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ ፡፡ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝተወለዓሉ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ግልጋሎት መሬት ጠጠው ኢሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕዚ ግና ንምጅማር ዝክኣሎ ስራሕቲ ቆፀራ መዝገብን መፅዕትን ከምዝጀመረ ቤት ፅሕፈት ኣጠቃቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሩ፡፡

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ገብረሚካኤል እኑን ከምዝበልዎ ኣብቶም ዝሓለፉ 3 ዓመታት ነቲ ኲናት ተበሊፆም ኣብ ውራ መሬትን ሃፍቲ ምኽዕባትን ዝተሳተፉ 5 ሽሕ ወገናት ኣስታት 184 ሄክታር መሬት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምውራሮም ብቅድመ መፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ደገ ብምጭብርባር ሰነዳትን ዘይሕጋዊ ስራሕትን መሬት ምውራር፣ ምሻጥ፣ ምልዋጥን ይካየድ ብምህላው ነዚ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ንምቁፅፃር ካብ ማሕበረሰብን ኣካላት ፀጥታን ብዝተወከሉ ኮምቴ ብምጥያሽ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዘለዋ ቤት መዛግብቲ ምቁፃርን ምፅራይን ይካየድ ከምዘሎ እውን ኣይተ ገብረሚካኤል ገሊፆም፡፡

ኣብ ውራ መሬትን ምጭብርባር ሰነዳትን ዝተሳተፉ ኣካላት ተሓታትነት ንምርግጋፅን ዝተወረረ መሬት ናብ ህዝብን መንግስትን ንክምለስ ከምዝስራሕ እውን እቶም ሓላፊ መሲኮም ሓቢሮም ፡፡ካብ 2013 ዓ/ም ኲናት ካብ ዝውለዕ ክሳብ ሕዚ ኣብ መሬት ግልጋሎት ምሃብ ኣይተ ጀመረን ዝበሉ እቶም ሓላፊ ሰነዳት ብምፅፋፍን ዘይሕጋውን ነፂሩ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ብምግባር ግልጋሎት ዝጅምረሉ እዋን ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ተዛሪቦም ፡ቤት ፅሕፈት ምሕደራን ኣጠቃቕማን መሬት ከተማ መቐለ ካብ ቤት መዘጋጃ ወፃኢ ባዕሉ ክኢሉ ክጣየሽ ከምዝተገበረን ውራ መሬትን ምጭብባር ሰነዳትን ንምቁፅፃር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ባንኪ መሬት /ካዳስተር /ንምእትታው ከምዝስራሕ እውን ኣይተ ገብረሚካኤል ኣረዲኦም።ሕብረተሰብ ባዕሉ ካብዞም ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ተዓቂቡ ኣብ ተግባራት ውራ መሬት ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓጋዚ ክኾን ከም ዝግባእ ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ሓሸባ
Next articleሕፅረት ዘበናዊ ዱኽዒ ዝፈትሕ ምህዞ ኮምፖስት 21