Home ዜና ጉድእቲ ኣካል ህፃን

ጉድእቲ ኣካል ህፃን

867
0

ንኣካላዊ ምንቅስቃስ ይኹን ንምዝራብ ዘይተዓደለት ጋል 7 ዓመት ህፃን የኣብስራ ኣቤል  ህፃን 9 ወርሒ ከላ ብሰንኪ ዝገጠማ ጥዕናዊ ፀገም ከም ካልኦት መሰታ ዕድሚኣ  ሙሉእ ጥዕና ዘይረኸበት ህፃን እያ፡፡ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ምስ ስድርኣ ትርከብ፡፡ ኣደ ህፃን የኣብስራ ወ/ሮ ሙሉ ገብሩ ሓይልታት ፅንተት ብዝወልዕዎ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ካብ መረበታ ተመዛቢላ ካብ ስድርኣ ተፈልያ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ እንዳ ዕጣን ዘዕቆበት እንትትኸውን ሙሉእ ግዚኣ ኣብ ምሕብሓብ ህፃን ያኣብስራ ከምተሕልፍ እያ ትዛረብ፡፡

 ምስቲ ዘለዋ ፀገም ማሕበራዊ ናብራኣን ኩነታት ሃለዋት ጥዕና ጓላን እቲ ጊዜ እናዳኸፍኣ ከም ዝመፀን ምዕባይ ሓዋ ንህፃን የኣብስራ ህፃን ኣለምገና ውን ተመሳሳሊ ጥዕናዊ ፀገም ዘለዎን ብሕማም ቆርበት ዝሳቀ ዘሎን ዕሽል እዩ፡፡  እዛ  ኣደ 2 ፀገም ጥዕና ዘለዎም ዕሸላት ደቃ ሒዛ ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ኩለመዳያዊ ክባን ዕፅዋን ፀገም ደቃ ልዕሊ ዓቅማ ከምዝኾነን ንኸቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ሃስያ ተሳጢሓ ክምዘላ ትዛረብ፡፡

በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩለመዳያዊ ዕፅዋ ንውላዳ መድሓኒት ክትረክብ ከምዘይካኣለትን ብቀረባ ይኹን ብርሑቅ ዝሕግዝዋ ስድርኣውን ደሃይን ሃላዋቶምን ከምዘይትረክብ ዝገለፀት ወ/ሮ ሙሉ ህፃን የኣብስራ ኣቤልን ህፃን ኣለም ገና  ካብቲ ዘለውዎ ፀገም ጥዕና ቀልጢፎም ክድሕኑ ሓገዝ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዘድልያ ትፅውዕ ፡፡

ብሰለማዊት ገብረኣምላኽ

Previous articleክብሪ እኖታታ ዝሰኣነት ኣዶ
Next articleጠለብ መሰረታዊ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን