Home ዜና ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘካይዶ ዘሎ ተኸታታሊ ደብዳብ...

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘካይዶ ዘሎ ተኸታታሊ ደብዳብ ድሮን ፋሽስታዊነቱ ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ኣብ ባይታ ዝገጥሞ ዘሎ ስዕረት ዘቐይር ኣይኮነን!!

1256
0

እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ!

ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ብኩሎም ግንባራት ዝጀመሮ ወራር ብመስተንክራዊ ጅግንነትን ሓፂናዊ ፅንዓትን ሰራዊትና እናተመከተ ይርከብ። እዚ ጉጅለ ምስ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰይጣናዊ ግንባር ፈጢሩ ትግራይ ንምጥፋእ ዘከካይዶ ዘሎ ቅሉዕ ወራር በቲ ዝሓሰቦ ልክዕ ክሰምረሉ ስለዘይክኣለን ኣብ ኩሎም ዓውደ ግንባራት ሰፍ ዘይብል ክሳራ ስለዝተሸከመን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ትኹረት ገይሩ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ድሮ የካይድ ኣሎ።

ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ተኸታታሊ ደብዳብ ድሮን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰላማውያን ሰባትን ትካላት መሰረተ ልምዓትን ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ። መንግስቲ ትግራይ በዚ ኣረሜናዊ ደብዳብ ህይወቶን ብዝስኣኑ ወገናትና መሪር ሓዘን ከምዝተሰምዖ እንትገልፅ ንስድራ ግዳያትን መላእ ህዝቢ ትግራይን ድማ ፅንዓት ይሃብኩም ይብል። ደም ንፁሃት ወገናትና ከንቱ ፈሲሱ ከምዘይተርፍን ገበነኛታት ክሳብ መወዳእታ ከምንፋረዶም እውን መንግስቲ ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፅ ይፈቱ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ በዚ ኣረሜንያዊ  ወፍሪ ጀኖሳይድ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድንን መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፍፁም ኣይንስኮንን። ብኣንፃሩ ሓድነትና ብዝበለፀ ኣጠናኺርና ክወሩና ንዝመፅኡ ኩሎም ሓይልታት ከከም ኣመፃፅኣኦም ብዝግባእ ብምምካት ዘላቒ ህልውና ትግራይን ህዝባን ውሑስ ንምግባር ርብርብና ኣሐይልና ከምንቕፅል ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ዝግባእ። ህዝብና ድማ ብልፍንታውያን ፀላእትና ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ወፍሪ ጀኖሳይድ ብዝግባእ መኪትና መሰል ዓርሰ ውሳነና ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ነረጋግፅ ሕዚ እውን ዝጀመርካዮ ቃልሲ ህልውና ዝያዳ ኣበርትዕኻ ንክትቕፅል መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ቅሉዕ ጀኖሳይድን ወራርን ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ዕላዊ ዝኾነ ፃውዒት ኣብ ዘቐረብናሉ እዋን እዚ ፋሽስታዊ ስርዓት ድማ ብኣንፃሩ ኣብ ክንዲ ንፃውዒትና ኣወንታዊ መልሲ ዝህብን ንመስርሕ ሰላም ቅሩብነቱ ኣብ ክንዲ ዘርእን ንከተማታት ትግራይ ተኸታታቲ ደብዳባት ድሮን ብምክያድ ንዘተ ሰላም ከምዝተሓሰመ ብተግባር ኣረጋጊፁ ኣሎ። ንሕና ግን ሕዚ እውን እንተኾነ እቲ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኩናት ብሰላማዊ መንገዲ ዘላቒ ፍታሕ ንክረክብ ካባና ዘድሊ ኩሉ ንምግባር ድሉዋት ምዃንና ደጋጊምና ክነረጋግፅ ንደሊ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

6 መስከረም 2015 ዓ/ም

መቐለ

Previous articleዜና ትግርኛ ምሸት ሰዓት 1፡00 – 5 መስከረም 2015 ዓ/ም
Next articleፅንትት ወይስ ህላወ