Home ዜና ጋዜጣዊ መግለፂ ሴናተራት ግዝኣት ጆርጅያ ኣሜሪካ

ጋዜጣዊ መግለፂ ሴናተራት ግዝኣት ጆርጅያ ኣሜሪካ

1305
0

ሴናተራት ግዝኣት ጆርጅያ ኣሜሪካ፣ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ጀኖሳይድ ኣድሂቦም ዕላዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም። ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ሴናተራት እቲ ግዝኣት ፣ ተጋሩን ተወለድቲ ትግራይ ኣመሪካውያንን ዝተረኸቡሉ መግለፂ መደረ ዘስመዓ ሴናተር ጂም ጃክሰን፣ ህዝቢ ትግራይ ኩሎም መሰረታዊ ግልጋሎታት ተዓፅየሙዎ ካብ ዓለም ተገሊሉ ኣብ ሕሱም ጥምየትን መከራን ከምዝርከብ ብምሕባር እዚ ንኸብቅዕ ዝፅዉዕ SR-800 ዝተብሃለ ረቒቕ ከምዘርቀቓን ኣፍሊጠን።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ገበን ጀኖሳይድ ተፈፂሙ እዩ ዝበላ ሴናተር ጂም ጃክሰን ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ መከራ ክወርዶ የብሉን፡ ርኢናኩም ኣለና፡ ሎሚ ኮነ ንሓዋሩ ኣብ ጎንኩም ኣለና፤ ኢለን፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሴናተር ኤሌና ፓረንት “ካብ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈፀሙ ገበናት ጀኖሳይድ ትምህርቲ ብምውሳድ ነዞም ገበናት ሙሉእ ጠመተ ክግበረሎም ከምዝግባእ እንትሕብራ፣ ሴናተር ላስተር ጃክሶን ብግድኦም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ብምባል ይኣክል ዝበሃለሉ ግዘ ሕዚ ምዃኑ ሓቢሮም። ተወካሊት ግዝኣት ጆርጅያ ዝኾና ኪም ስኮፊልድ ብግድአን “ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ዉፅዓት ጠጠው ኢላ ዝኾነ ነገር ክትገብር እንተዘይክኢላ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ ኢለን።
ኣብቲ መግልፂ ዝተረኸቡ ተጋሩን ተወለድቲ ትግራይ ኣሜሪካውያንን፣ ዓለም እቲ ከይድገም ዝበለቶ ገበን ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እንትድገም ሱቕ ኢላ ትዕዘብ ከምዘላ ብምሕብባር ግዘ ከይተውሃቦ ተግባራዊ ስጉምቲ ክዉሰድ ኣለዎ ክብሉ ወቐስዊ ለወብኦም ኣቕሪቦም።
ብተስፋዝጊ ዓስበይ

Previous articleመግለፂ ቤተ ክርስትያን ኦርተደክስ ተዋህዶ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ
Next articleኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ከፃሪ ንዝሰርሕ ዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት በጀት ከይስልዐሉ ክትብል ዘቕረበቶ ሕቶ ተነፂጉ።