Home ዜና ግህሰት ሰብኣዊነት ኣብ ኤርትራ

ግህሰት ሰብኣዊነት ኣብ ኤርትራ

1209
0

—-

ፍሉይ መፃረይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ልኡኹ ክናዋሕ ወሲኑ፡፡

ኣብ #ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣስገዳድ ዕስክርናን ዝነቐፈ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ ሰመል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ክገሮ ዝፀንሐ ፍሉይ ክትትል ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ፡፡

ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ግህሰት ኤርትራ ፍሉይ መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት፣ ዝሓዞ ልኡኽ ብሓደ ዓመት ክናዋሕን ተዋሂበምዎ ካብ ዝነበሩ ዕማማት ብተወሳኺ ኣብ ውሽጣዊ ምምዝባልን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ዝበፅሕ ስቅያትን ሓዊሱ ከፃሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኑ፡፡

ብ21 ድጋፍ፣ ብ10 ተቓውሞን 16 ድምፀ ተኣቅቦን ዝፀደቐ መማሓየሺ መርማሪ ጉጅለ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፤ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ስርሑ ክቕፅልን ኣብ መበል 53 ስሩዕ ኣኼባ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብፅሑፍ ሪፖርት ከቕርብ ልኡኽ ተዋሂብዎ፡፡

ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ ምልክነትን ገደብ ኣልቦ ኣስገዳድ ዕስክርናን፤ ኣብቲ ሃገር ፆታዊ መጥቃዕቲን ፆታ መሰረት ዝገበረ መድልዎን ክዓምም ተወሳኺ ልኡኽ ዝተውሃቦ ፍሉይ መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፤ ኣብዞም ጉዳያት ዘተኮሩ ፀብፃባት በብዓመቱ ፀብፃብ ከቕርብ ትፅቢት የግበረሉ፡፡

ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተጣየሸ መርማሪ ጉጅለ ክተሓባብር ይግባእ ዝበለ እቲ ካውንስል፤ እቲ መርማሪ ጉጅለ ኣብ መበል 52 ኣኼባ ብመሰረት ዘቕረቦ ፀብፃብ ግና ምንም ዓይነት ምትሕብባር ከምዘይተገበረሉን ናብቲ ሃገር ኣትዩ ከፃሪ ከም ዝተኸልከለን ሓቢሩ፡፡

#ንኣሜሪካን #እንግሊዝን ሓዊሱ ብ21 ድጋፍ ዝፀደቐ ምንዋሕ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፣ #ቻይናን #ኩባን ብዝርከብአን 10 ሃገራት ተቓውሞ ገጢምዎ ምንባሩ ፀብፃብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት የማላኽት፡፡

ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ንዝሓለፉ 31 ዓመታት ባህጊ ናፅነት ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ፃማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ባርነት ቀይርዎ ምህላዉን፤ ምስ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ተሓባቢሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ጀኖሳይድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍፅሞ ዝፀንሐ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት መቐፀልታ ምዃኑ ሚዲያታት ይገልፃ ኣለዋ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleኣብ ከተማ መቐለ ንክልተ ሰሙን ዝፀንሕ ወፍሪ ክታበት ቫይረስ ኮረና ተጀሚሩ
Next articleዘይልወጥ ቅዋም ህዝቢ ወላይታ