Home ዜና ግዘ ዘይህብ ዋኒን

ግዘ ዘይህብ ዋኒን

1099
0

ሎሚ ዘበን ሓረስታይ ትግራይ ይሓርስ ኣለኹ ደበናይ እናማዓደኹ ዝብል ዜማ ጥራሕ ኣይኮነን ዘስቆንቁን ዘሎ፡፡ ዓብዪ ስግኣት ኣለዎ፡፡ ስግኣት ነባሪ ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ሓረስታይ ገ/ኪዳን ገ/ማርያም እውን እዚ እዩ፡፡ ቅድሚ ሕዚዘርኢ ይረክቡ ምንባሮምን ሕዚ ግን ዘበናዊ ዱኽዒ ዝለመደ ግራውቶም እቲ ቀረብ ብዘይምምፅኡ ዓብዪ ፀገምን ኮላይ ጭንቀት የሕድረሎም ከምዘሎ ይገልፁ፡፡  

ብመሰረት እዚ ሓረስታይ ትግራይ ብሓደ ወገን ስግኣቱ ኣይተቐንጠጠን፡፡ ብካልእ ሸነክ ድማ ሓረስታይ ትግራይ ስእነት ምሩፅ ዘርኢ ክፍተሐልና እዩ ዝብል ተስፍኡ መሊኡ ኣይበነንን፡፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘንቆልቁል ዘሎ ቀረብ ምግቢ ንምምሕያሽ ኣገዳሲ ዕድል ተባሂሉ ዝግመት ዘበነ ምህርቲ ኣብ ስግኣት ዘጥሕል እዩ፡፡

ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ብመልክዕ መጠንቐቕታ ኣውፂእዎ ዘሎ መተሓሳሳቢ ድማ ሓረስታይ ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ዘርእን ዘበናዊ ዱኽዒን እዋን ማሕረስ ክሓልፎ ከምዝኽእል እዩ ዘመልክት። እዚ ስግኣት እዚ ብርግፅ እውን ስግኣት ሓረስታይ ትግራይ እዩ፡፡  ከም ሓረስታይ ገ/ኪዳን ገ/ማርያም ዝብለ ኣብ ኩሉ ካባቢ ዝርከብ ሓረስታይ ትግራይ ደበና የማዓዱኳ እንተሎ እቲ ኣብ ኢዱ ዘይኣተወ ምሩፅ ዘርኢን ዘበናዊ ድክዕን ከማዕዱ ግን ጥራሕ ኣይደለየን፡፡  እኳ ደኣስ ናብ ነባር ልምዱ ተመሊሱ ባህላዊ እታወቱ ሃሰስ ክብል ምግዳዱ እዩ ዝገለፅ፡፡

እዚ ጀሚሩ ዘሎ ክራማት ዝሓሸ ዝናብ ክህሉ ትፅቢት ከምዘግበረሉ ብኪኢላታት ትምበያ ኩነታት ኣየር ክዝረብ ቀንዩ እዩ፡፡ በዚ ድማ ሓረስታይ ትግራይ ክረምቲ ምእንቲ ክዘርእ ዘድሊ እታወታት ክቐርበሉ ከምዘለዎ እዩ ውድብ ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘፍልጥ ዘሎ፡፡ ዘርእን ድኽዒን ኣብ ግዚኡ እንተዘይመፂኡ እቲ ወቕቲ ክውዳእ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ። እዚ ድማ እታ ብኲናት ዝተሃስየት ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀገም ውሕስና ምግቢ ዝያዳ ዘጋድድ እዩ ዝብል መግለፂ ፋኦ እቲ ቀረብ ክንደየናይ ኣድላዪ ምኳኑ ብምምልካት ኣሻንካይዶ ምትራፍ ምድንጋይ ባዕሉ ዋጋ ከክፍል ከምዝክእል መመላኸቲ ነጥቢ ዘቕምጥ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት / ፋኦ / ዝበዝሑ ሓረስቶት ትግራይ ሕዚ ናይ ሕርሻ መሬቶም ኣዳልዮም ንዝመፅእ ዝናብ ይፅበዩ ኣለዉ፡፡ ቅድሚ እቲ ቀረብ ምምፅኡ ዝናብ ምስራብ ዝጀመረሉ ከባቢታት ስለዘለዉ ድማ ጥብ ዘበለት ማይ ናብ ረብሓ ክትውዕል እናተገበኣ እቲ ቀረባት ሕርሻ ብፍላይ ዘመናዊ ድኽዕን ምሩፅ ዘርእን ግን ኣብ ኢዶም ዘይምብፅሑ ስክፍታ ኣሕዲሩሎም ከምዘርከብ እዩ ዝገልፅ፡፡

ፋኦን መሻርኽቱን 60 ሽሕ ቶን ድኽዒ ካብ ወፃኢ፤ 4 ሽሕ ቶን እዚ ማለት ካብቲ ዝድለ 8 ሚኢታዊት ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረየ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ዘቕርበሉ መንገዲ ይደልዩ ፀኒሖም። ይኹን እምበር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣሸናኳይዶ ናይ ውሽጢ ዓዲ እቲ ብወፃኢ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትራፍ ህዝቢ ብጥሜት ከሳቒ እዩ ፀኒሑ፡፡  ውድብ ምግብን ሕርሻን ድማ ሓረስታይ ትግራይ ዘርኢ ዝዝርኣሉ ውሱን ግዘ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም እታወታት ብህፁፅ ምቕራብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይገልፅ ኣሎ ።

ሓረስታይ ትግራይ ኮነ መንግስቲ ትግራይ እዚ ስግኣት ዝምልከት ኣቐዲሙ ክገልፅ ፀኒሑ፡፡ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ብቢሮ ልምዓት ገፀርን ሕርሻን ትግራይ ከምኡ እውን ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣቢሉ ተደጋጋሚ መግለፂ ሂብሉ፡፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ራድዮ ትግራይ ዘዘራረቦም ሓረስቶት ትግራይ ዘረጋገግፅዎ ሓቂ እውን እዚ እዩ፡፡ ክራማት እዚ ወቕቲ ንሓረስታይ ትግራይ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን ከምዝኾነን ግን ዋኒን ምሩፅ ዘርኢ ዓብዪ ስግኣት ይፈጥሎም ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም፡፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ብኣብዝሓ ሓረስታይ ትግራይ ከም ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ትግራይ ብፋሽስታውያን ወረርቲ ገበን ጀኖሳይድ ስለዝተፈፀሞ፡፡ ናይዚ መግለፅታት ድማ  ኣብ ልዕሊ ሓረስታይ  ትግራይ መቕተልትን ጫፍጫፍን ከምዝተፈፀመ፣ ካብ መረበቱ ምምዝባሉ፣ ሃብቱን ጥሪቱን ከምዝተጉሓለ ፣ ብተወሳኺ መሳርሒ ሕርሽኡ ከምዝዓነወ ዘርኢ እዩ፡፡ እዚ ግፍዕን ዕንወትን ድማ ኣብ ቀፃሊ ናብራ ሓረስታይ ትግራይ ከቢድ ስግኣትን ምጉስቓልን ምፍጣሩ ክገልፁ ፀኒሖም፡፡   

ከምኒ ሓረስቶት ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ዝገልፅዎ እውን እቲ ዝርካቡ ዝናብ ብኣግባቡ ንምጥቃም ድልውነቶም ክገልፁ ፀኒሖምን ኣለዉን፡፡ እቲ ሓረስታይ እቲ ዝፅበዮ ደበና ዝናብ ምስሰረበ እውን ዝዝራእ ምሩፅ ዘርኢ እንተዘይብሉ ተስፋኡ ከም ግመ ክተኖ’ካ ንቡር እንተኾነ እቲ ተስፍኡ ግን ኣብኡ ጥራሕ ክውሰን ኣይፈቐደን፤ ተስፋኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓንዲ ሑቐ ናብርኡ ዝኮነ ሕርሽኡ ከይጉዳእ ለይትን ቀትርን ፃዓርዓር ይብል ከምዘሎ ባዕሉ እቲ ሓረስታይ ይግለፅ፡፡   “ ጥራይ ኣዝመራ ይገነ እምበር ጥራይ ማይ ይገነ እምበር ሓሪስና ኣለሳሊስና ደኲዕና ፤በቲ ዘለና ዓቕሚ ሰሪሕና ክንጥቀም ኢና ” እዮም ዝበሉ ሓረስታይ ገ/ኪዳን ገ/ማርያም፡፡

ከም ውድብ ምግብን ሕርሻን ዝብሉ ስግኣቶም ኣብ ዝገልፀሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ግን ኣብ ክሊ ዕፅዋን ክባን ክስራሕ ዘለዎ ኣማራፅታት ስራሕቲ ሕርሻ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ኣይወዓሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ተርእዮም፡፡   

እዚ ድማ ሓረስታይ ትግራይ ምኩር ልምዱ ተጠቒሙ እታ ዘላቶ ዘርኢ ክጥቀም፣ ኣብ ሞንጎ ሓረስቶት ተሞክሮ ክለዋወጥ ፤ ካብ ተሞክሮ ሰጊሩ ድማ ዘለዎ ንዘይብሉ ክህብ ወይ ከለቅሕ ከምዘለዎ ብዝተገበረ ምልዕዓል ተግባራዊ ስራሕቲ ተጀሚሮምስ ገለ ውፂኢታት ከምዝተረኸቡ በቢእዋኑ እናተገለፀ መፂኡ፡፡ ሓረስታይ ትግራይ ምሩፅ ዘርኢ ኮነ ዘበናዊ ድኹዒ ኣይቀረበለይን ብምባል ኢዱን እግሩን ዓፃፂፉ ስቕ ኣይበለን፡፡

ቢሮ ልምዓት ገፀርን ሕርሻን ትግራይ ድማ ናይ ቅድመ ምድላው ስራሕቲ ከተግበር ምፅንሑ እቲ ስግኣት ክቕንጠጥ ዝሕግዝ እዩ፡፡ ዳይሬክተር ልምዓት ዝራእቲ፣ ምምሕያሽ ኣጠቓቕማ ልሙዕነት ሓመድን እቲ ቢሮ ኣይተ ሰለሞን ገ/ስላሰ ኣብዚ ቀረባ ዝሃብዎ ሓበሬታ ነዚ ዘራጉድ እዩ ፤ እቲ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ከም ተፈጥሮ ድኽዒ ዝርከቡ  ኮምፖስት፣ ባዮ ጋዝ፣ ዕነ ሓሳኹ፣ ተረፈ ምህርቲ ዝበሉ ኣብ ኢድ ሓረስቶት ዘለዉ  ፀጋታት ምጥቃም ተጀሚሩ ኣሎ፡ ሓረስታይ ጠሊ ናይ ምዕቃብ ስራሕቲ ብስፍሓት ክሰርሕ መደብ ወፂኡሉ ኣሎ፡፡

ብመሰረት ታደሰ

Previous articleፀላእቲ ዘባህረን ዘሰንበደን ወፍሪ ኣሉላ
Next articleተዘክሮ ዓወት ሰነ 21