Home ዜና ግዝኣታዊ ወሰን ትግራይ

ግዝኣታዊ ወሰን ትግራይ

1104
0

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነት ናይ ምሕላውን ረብሕኦም ናይ ምርግጋፅን ተልእኾ ሒዞም ዘካይድዎ ዘለው ህዝባዊ መኸተ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ሙሁራት ገሊፆም፡፡ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኩሉ ግዜ ኣጀንዳ መሬት ብምልዓል ህዝቢ ናብ ዘይዛሪ ጎንፂ ዘእትውዎ ዘለው ትግራይን ህዝባን ንክጥፍኡ ካብ ዘለዎም ሕዱር ሕልምን ትልሚን ምዃኑ እቶም ሙሁራት ሓቢሮም፡፡

በዓል ሞያ ምሕደራ ቢዝነስ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ፣ በዓል ሞያ ኣመራርሓ ስራሕ ዶ/ር ተኽላይ ተስፋይን በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ዶ/ር ሙዑዝ ሓዱሽን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ኣለዉ፡፡በዓል ሞያ ምሕደራ ቢዝነስ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነት ብምሕላው ረብሓ መፃኢ ወለዶ ትግራይ ንምርግጋፅን ተግባር ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ንምምካንን ኣብ ምምካት ከምዝርከቡን እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ መወዳእትኡ ንኽበፅሕ መኸተኦም ከሐይሉ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ታሪኻዊ ግዝኣታት ትግራይ ናትና ዝብል ናይ ታሪክ ሓሶት ፍሒሶም ዝወረርዎ መሬት ንምምላስ ዝቃለሱ ዘለዉ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናይ ምሕላውን ረብሐኦም ብቐፃልነት ናይ ምርግጋፅን ዕላማ ሒዞም ይቃለሱ ምህላዎምን እዚ እውን ኣብ ጫፍ ንኽበፅሕ መኸተኦም የሐይሉ ከምዘለዉ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ተዛሪቦም፡፡

ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ኣብ ዝኾኑ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይን ሕቶ ይግበአኒ ብምዝማር ዝራኣዩ ገበቲ ሓይታት ኣምሓራ ንህዝቢ ትግራይ ኣዳኺሞም ልዕልንኦም ንኽረጋገፅ ዝፈሓስዎ እከይ ሕልሚ እንበር ትግራይ ዝወረረቶ መሬት ከምዘይብላ በዓል ሞያ ኣመራርሓ ስራሕ ዶ/ር ተኽላይ ተስፋይ ገሊፆም፡፡ህዝቢ ትግራይ ቁጠባዊ ዓቕምታቱ ክዳኸምን ኣደዳ ስደትን ሞትን ኮይኑ ከም ህዝቢ ሃለዋቱ ክጠፍእ በቢዘመኑ ክሰርሕሉ ምፅንሖም ድማ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ዶ/ር ሙዑዝ ሓዱሽ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

መሰረታዊ ዕላማ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ታሪኻዊ ግዝኣታት ትግራይ ዝኾኑ ቦታታት ምግባት ጥራሕ እንተይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ዝብል እከይ ተግባሮም ምሓዞም ኣብቲ ዝተኻየደ ቅሉዕ ወራር ተራእዩ እዩ ዝበሉ እቶም ምሁራት ህዝቢ ትግራይ ግና ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሙ ብምትላሞምን ፀላእቲ ይምከቶም ከምዘሎን ነዚ እውን ኣጠናኺርካ ምቕፃል ኣገዳሲ እዩ ኢሎም፡፡

ገበቲ ሓይልታት ንዘበናት ዝሃቀንዎ ሕልሚ ልዕልና ትግራይ ብህዝባዊ ቃልሲ ትምክቶ ከምዘላ ዘረጋገፁ እቶም ሙሁራት ፀረ ብሄረሰባት ዝኾኑ ሓይልታት ብምፍራስ ግዝኣታዊ ሓድነት ህዝብታት ብሕገ-መንግስቲ ከምዝፍታሕ ኣገንዚቦም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleዕርበት ፀሓይ ስልጣን ፋሽስት
Next articleፅልምትምት ጉዕዞ ኢትዮጵያ