Home ዜና ግደ ህዝቢ ኣብ ምሕያል ቃልሲ

ግደ ህዝቢ ኣብ ምሕያል ቃልሲ

809
0

ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕ ህዝቢ ዓዴት ፀኒዑ ተቓሊሱ ዘቃለሰ በዓል ውህሉል ተሞክሮ ምዃኑ ኣፍሊጠን፡፡

——————–

ወረዳ ዓዴት ስሩዕ ውግእ ናብ ደባይ ውግእ ብዕሊ ከምዝተቐየረ ዝተኣወጀሉ ታሪኻዊ ቦታ እዩ፡፡

ህዝቢ ወረዳ ዓዴት ኮነ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብፅሒቱ ዝፈፀመ ኣካልን ፀላእቲ ዘብፅሕዎ በደልን ብዝግባእ ብምስናድ ዳግም መፃኢ ወለዶ ከምዚ ዓይነት በደላት ከይበፅሖ ብዘኽእል ክኸውን ይግባእ ኢለን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር፡፡

ወረዳ ዓዴት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ስሩዕ ውግእ ናብ ደባይ ንኽሰጋገር መንግስቲ ትግራይ ወሲኑ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ታሪኻዊ ቦታ እዩ ዝበላ ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ህዝቢ እታ ወረዳ ድማ ካብ ዘለዎ ዉህሉል ተሞክሮ ተበጊሱ ፀላእቲ ተሰዓርቲ መዃኖም ብምቕማጥ ፍልፍል ሓቦን ፅንዓትን ተቓለስቲ ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚበን፡፡

ህዝባዊ መድረኽ ወረዳ ዓዴት

ደባይ ውግእ ካብ ዝተጀመረሉ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓመተ ምህረት ውጉኣት ተጋደልቲ ኮነ ንቓልሲ ዘድልዩ ንብረታት ሒዝካ ምጉዓዝ ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን ህዝቢ ወረዳ ዓዴት ብሉዑል ሓላፍነት ኣብነታዊ ስራሕቲ ምዉጋኑን ወረርቲ ሓይልታት መስካሕክሒ ግፍዒ እናፈፀምሉ ኣብዝነበረ እዋን ህዝባዊ ቃልሲ ሓይሉ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕ ልዑል እጃም ምፍፃሙን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ገሊፀን፡፡

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ መኸተ ተሰጋጊሩ ፀላእቲ መመሊሶም ዘየድምዩዋን ዘየዕንዉዋን ትግራይ ንኽትህሉ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ጎናጎኒ መኸተ ፀላእቲ ምስናድ ታሪኽ ኣገዳሲ መዃኑ ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ኣረዲአን፡፡

ደጀን ህዝቢ ወረዳ ዓዴት

ፋሽሽታውያን ወረርቲ ግዝያዊ ልዕልና ረኺቦም ንትግራይ ካብ ዝወረርሉ እዋን ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ዘሎ ተጋድሎታትን ፀላእቲ ህዝቢ ንምፅናት ዘብፅሕዎም በደላትን ጎናጎኒ መኸተ  ብምስናድ ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ንኸገልግል ግቡእ ትኹረት ተዋሂብዎ መረዳእታታት ይእከብ ምህላዉ ይፍለጥ፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous article1ይ ወራር ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሳይድ ትግራይ)
Next articleሰራዊት ተጋደልቲ ሓቦን ፅንዓትን ክወርስ ዝገበረ ህዝቢ