Home ቢዝነስ ግደ ነጋዶ ኣብ ምድሓን ህይወት ወገናት

ግደ ነጋዶ ኣብ ምድሓን ህይወት ወገናት

936
0

ኣብ ኢድ ማሕበረሰብ ነጋዶ ዝርከብ  ገንዘብ ካብ ዘየድሊ ብኽነትን ስርቅን ንምክልኻል ናብ ባንኪ ኣታዊ ብምግባር ህይወት ወገናቶም ካብ ዓፀባ ከድሕኑ ከምዝግባእ ዘዘራረብናዮም ነጋዶ ከተማ መቐለ ገሊፆም  ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ግልጋሎት ትካላት ፋይናንስ ገደብ ገንዘብ ኣድሂቡ  ዝወፀ ሓድሽ መምርሒ  ተግባራዊ ክገብሩ ቢሮ ትልሚን ፋይናንስን ትግራይ ፀዊዑ ፡፡

ዘለናሉ እዋን ሃፍቲ ንእክበሉ እዋን ዘይኮነስ ህይወት ወገናትና ነድሕነሉ ቁርፂ እዋን ብምኳኑ ኣብ ስቃይ ዘሎ ህዝብና ካብ ዓፀባ ንምክልኻል ብፅሒትና ክንፍፅም ይግባእ ክብሉ ዘዘራረብናዮም ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ ገሊፆም ፡፡

ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ትግራይ ወገናቶም ካብ ዓፀባ ዘድሕንሉ እዋን ሎሚ ብምኳኑ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ንዘየድሊ ብኽነትን ስርቅን ካብ ምስጣሕ ናብ ባንኪ ኣታዊ ብምግባር ህይወት ወገናቶም ካብ ዓፀባ ከድሕኑ ከምዝግባእ እቶም ነጋዶ ተዛሪቦም  ፡፡

ገለገለ ክፋል ሕብረተሰብ ገንዘብ ካብ ባንኪ ወፃኢ ብምቕማጥ ንዘየድሊ ክሳራን ስርቅን ይቃልዑ ኣለዉ ዝበሉ ኣባል  ስትሪንግ ኮሚቴ ፋይናንስ ትግራይ ዶ/ር መብራህቱ መለስ እዚ ድማ ግጉይ ኣረዳድኣ ምኳኑ ተረዲኦም ኣብ ስቃይ ዘሎ ህዝቢ ከድሕንሉ ይግባእ ኢሎም ፡፡

ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ካብ ዝግበር ቃልሲ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕትን ምትሕግጋዝን ብምንጣፍ እዛ እዋን ክንሰግራ ከምዝግባእ እውን ዶ/ር መብራህቱ ገሊፆም ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ትልሚን ፋይናንስን ትግራይ ኣይተ መኮነን ገ/ እግዝኣብሄር ገንዘብ ህዝቢ  ካብ ባንኪ ወፃኢ ኣብ ኢዶም ሒዞም ህዝቢ እናጠመየ ብስቕታ ዝዕዘቡ ገለገለ ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ካብ ተግባር ፀላእትና ዘይንኣኣስ ተግባር ምኳኑ ተረድኦም በቲ ዝወፀ መምርሒ ግልጋሎት ፋይናንስ ገንዘቦም ናብ ባንኪ ኣታዊ ክገብሩ ፀውዑ ፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleዘንፀላሉ ዘሎ ደመና ሞት
Next articleምቁራፅ ግልጋሎት ምግብና