Home ዜና ግደ ዳያስፖራ ኣብ ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ

ግደ ዳያስፖራ ኣብ ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ

1063
0

ግደ ዳያስፖራ ኣብ ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ

——

ንዝሓለፈ 42 ዓመታት ኣብ #ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ዝተቐመጣ ነባራት ኣባላት ማሕበር ተጋሩ #ኣውሮፓ ዝዀና ሙሉ ኣለማየሁን ፅገወይኒ ወልደየሱስን መናእሰይ ተጋሩ ዳያስፖራ ቅያ ወለዶም ወሪሶም ውሕስቲ ትግራይ ጋህዲ ክገብሩ ተላብየን።

ቅድሚ 42 ዓመታት ስኮላር ሽፕ ረኺባ ናብ ሩስያ ዝኸደት ሙሉ ኣለማየሁ ኣብኡ ኣብ ዝፀንሐትሎም 6 ዓመታት ንምሽጥራዊ ስምምዕ ሩስያን ስርዓት ደርግን ሓዊሱ ዓበይቲ ምሽጥራት ናብ ሜዳ ትልእኽ ነይራ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ደርግ ዝነበረ ፍቅረስላሴ ወግደረስ ኣብ ስዊድን ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ ዳያስፖራ #ኢትዮጵያ ባንዴራ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ሒዛ ብምእታው “ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ክዕወት እዩ፣ እዛ ባንዴራ ሓፍ ኢላ ክትንብልበል እያ” ብምባል ኣብ ቅድሚ ደርጋውያን ጠጠው ኢላ ብዘይፍርሒ ድምፂ ወገና ኣጋዊሓ እያ።

ፅገወይኒ ወልደየሱስ ብወገና ኣባል ኣመራርሓ ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ዀይና ኣብ ጣልያንን ኣብ ጀርመንን ዘገልገለት ዀይና ጎና ጎኒ ትምህርታ ኣብ ዝሓለፈ ዕጥቃዊ ቓልሲ ንጡፍ ተሳትፎ ዝገበረት እያ።

ሕዚ ኣብ ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ጨንፈር ጀርመን ተጠርኒፈን ዝቃለሳ ዘለዋ ክልቲአን ኣብ ግዘ ጥምየት 77 ክእለት ምዝዋር መኪና ዝነበሮም ደቂ ትግራይ ኣባላት ዳያስፖራ ካብ ኣውሮፓ ናብ ሜዳ ትግራይ ብምኻድ ንዝጠመዩ ወገናት ካብ ሱዳን እኽሊ ረድኤት ዘመላለሱ፣ ኣብ ጎደናታት ኣውሮፓ ንትግራይ ሓገዝ ገንዘብ እንተተኣኻኽባ ብዝበፅሐን ሓደጋ መኪና ንሕማም ማህፀን ከምዘተቃልዓ ብኣብነት ብምጥቃስ ተዘክሮ ቓለሲ ዳያስፖራ ኣዘንቲወን።

ናይ ሕዚ ወለዶ ተጋሩ ዳያስፖራ እውን ቅያ ወለዶም ወሪሶም ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ከውሕሱ ሕድሪ ኢለን።

ብሚኪኤለ ምናሰ ካብ ኣውሮፓ

Previous articleወርቂ ንትግራይ
Next article“ቁሉዕ ወራር ትግራይ ደው ይበል” ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ቴክሳስ ዳላስ