Home ዜና ግዳይ ምምዝባል ዝኾነት ምርኣይ ዝተሰኣና መምህር

ግዳይ ምምዝባል ዝኾነት ምርኣይ ዝተሰኣና መምህር

1367
0

ብሰንኪ ፋሽስታውያን ወረርቲ ንከቢድ ዓፀቦ ከምዝተሳጥሐት ካብ ወረዳ ወልቃይት ተመዛቢላ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተዓቆበት ምርኣይ ዝተሰኣና መምህር መሓሪት ገ/ሂወት ገሊፃ፡፡
ምርኣይ ዝተሰኣና ተመዛባሊት #መምህር መሓሪት ገ/ሂወት ኣብ ኮሌጅ ትምህርቲ መምህራን #ዓድዋ ብትምህርቲ #ፍሉይ ድሌት ብዲፕሎማ ተመሪቃ፡፡ መምህር መሓሪት ገ/ሂወት ኣብ ወረዳ ወልቃይት ተመዲባ ኣብ ህንፀት ዜጋታት ተዋፊራ ተምሃሮኣ ብፅቡቕ ስነ-ምግባርን ፍልጠትን እናሃነፀት ምስ ምርኣይ ዝተሰኣኖ በዓልቤታ ክልተ ቆልዑ ወሊዳ ፅቡቕ ህይወት ትመርሕ ኔራ፡፡
ፋሽስታውያንን #ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ቅሉዕ #ወራር ምስ ፈፀሙ ግና ኣብ ርእሲ ፀገም ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ሕዝሎን እንጥልጥሎን ተሰኪማ ካብ ሞት ከተምልጥ ብዙሕ ሓሰረ መከራ ከምዝረከቡ ገሊፃ ፡፡
እቶም ንተፈጥራዊ ፀገም ስዒሮም ፅቡቕ ናብራ ይመርሑ ዝነበሩ ልበ-ብርሃናት ፋሽስታውያንን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ #ህዝቢ ትግራይ ብዝፈፀምዎ ወራር ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ሎሚ ህይወት ልዕሊ ዓቕሞም ኮይናቶም ብድርብ ደልሃመት ተዋሒጦም ይሳቐዩ ከምዘለዉ መምህር መሓሪት ገ/ሂወት ተዛሪባ ፡፡
ካብቶም ፋሽስታውያን ብዕድል ኣምሊጦም ናብ ማእኸል #መዕቆቢ ተመዛበልቲ መቐለ ምስ ኣተው እውን ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ንዝኸፈአ ሽግር ከምዝተቃልዑ መምህር መሓሪት ገሊፃ ፡፡
ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ክልከላ #ምግብን መድሓኒት ተገንዚቡ ህፁፅ ፍታሕ ክህብ ዝሓበረት መምህር መሓሪት ብፍላይ ንኣካለ ጉድኣት ዝግበር ሓገዝን ጠመተን ብዘይምህላው ኣብ ከቢድ ዓፀቦ ከምዘለው ሓቢራ ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንባዕሉ ዝገብሮ ዘሎ ምትሕግጋዝ ዝንኣደት መምህር መሓሪት እቲ ዓይኑ ዝዓመተን እዝኑ ዝዓፀወን ማሕበረሰብ ዓለም ቃንዛ ደቂ ትግራይ ብፍላይ ፀገም #ጉድኣት ኣካል ተገንዚቡ ህፁፅ ፍታሕ ክህብ ከምዝግባእ ተማሕፂና ፡፡
ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleጨካናት ወረርቲ ኣሮግቶትን ደቂ 10 ዓመትን ከይተረፈ ደፊሮምን ማሕፅነን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ጌሮምዎ ኢዮም ፡፡ ብወረርቲ ዝተደፈራ 60 ዝዕድመአን ኣዶ
Next article“እቲ ቀይሕ መስመር ኣብ ሓፂር እዋን በቲኽና ናይ ግድን ክንዕወት ኢና” – ዋዕሮታት ተጋደልቲ