Home ዜና ግፍዒ ውለቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ነበርቲ ጉለምኸዳ

ግፍዒ ውለቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ነበርቲ ጉለምኸዳ

1428
0

ኣቦይ ተስፍኡ ዘውደ ነባራይ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ጣብያ ፍረ ዳሽም እዮም፡፡ እዞም ወላዲ ወሊዶም ዝኸበዱ ዝዘመዱ በዓል ፀጋ ዕድመ እዮም፡፡
ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ወግሐ ፀብሐ ተስፋን ዕቤትን ደቆም ይምነዩን ይርእዩን ነይሮም ፡፡ 28 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ግን ቤቶም ኣልቦ ግብርን ባህርን ደቂ ሰባት ዝኾኑ ሰራዊት ውለቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቶም ማእገርን ምርኩስን ክኾንዎም ንዓመታት ሓብሒቦም ዘዕበይዎም 3 መላምል ደቆም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ድርኹኺት ገዝኦም ዝሳኣኑ እዮም፡፡
ብሰንኪ ሰራዊት ውለቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መቃብር መናእሰያት ደቀን ኣብ ገደነአንን መረብአንን እናጠመታ ዝነብራ ዘለዋ ነባሪት ወረዳ ጉሎመኸዳ እውን ወ/ሮ ማኣዙ ገ/ፃዲቕ እየን፡፡ እዘን ወላዲት ብርሃን ዓይነይ፣ ሓብሐብተይ፣ እናበላ ዘየዕበየኦምን ዝሓሸ ዕድል መፃኢ ህይወተንን ህይወት ስድርአንን ዘቋምታ ዝነበራ እየን፡ ፡
ሃንደበት 28 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ማእገር ሕብረተሰብ፣ ዓንዲ ሑቀ ዝኾኑ ክልተ መናእሰያት ደቀን ብሰራዊት ውለቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ተረሸኑ ግን እነሆ መረበአን ፅምዋ ወሪርዎ ብግፍዒ ናይ ዝተረሸኑ ዕሸላት ደቀን ፈቶ ሓቂፈን ኣብ ትካዘ ይውዕላ አለዋ፡፡
ሕዚ እውን ሰፊሕ መሬት ትግራይ ኣብ ኢድ ሰራዊት ውለቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣማሓዳሪ ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣይተ በሪሁ ፀጋይ #ወረርቲ ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉሎመኸዳ ብዝፈፀምዎ ግፍዒ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ወገናት እንትርሸኑን ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ድማ ሃፍቶምን ንብረቶምን ተወሪሩ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ሓቢሮም፡፡
ህዝቢ ትግራይ ካብ ፅንተት ክድሕን፣ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ከረጋግፅ ካብ ሕሉፍ ፍፃመ ግፍዒ ተማሂሩ ደጀንን ግንባርን ሰሚሩ ክቃለስ ከምዝግባእ እቶም ስድራ ግዳያት ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብምላሹ ኪዱ

Previous articleብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዕዲ ዓረብ ተጠሪዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚሮም።
Next article“ናብ ትግራይ ብመካይን ሰብኣዊ ሓገዝ ከእትው ኣይከኣልኩን።” ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም