Home ዜና ግፍዒ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣብ ከተማ ዛላንበሳ

ግፍዒ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣብ ከተማ ዛላንበሳ

1284
0

ግፍዒ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣብ ከተማ ዛላንበሳ

—–

ሕዳር 04/2013 ዓ/ም ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ህዝቢ ከተማ #ዛላንበሳ ጅምላዊ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ዝፈፀሙላ ዕለት እያ፡፡

ግዳያት እቲ ጅምላዊ ጨፍጫፍን ግፍዕን ዝኾኑ ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ሕዳር 4/2013 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ኣብ ህዝቢ ከተማ ዛላንበሳ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ መግለፂ ኣልቦ እዩ ኢሎም፡፡

እቶም ግዳያት ቤተሰቦምን መሓዙቶምን ንምቕባር ዕድል ከምዘይረኸቡን ኣብ ከተማ ዛላንበሳ ዘይተቐለዐን ዘይተነገረን ጄኖሳይድ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ልዕሊ 20 ሽሕ ህዝቢ ከተማ ዛላንበሳ ሃፍተ ጥሪቱ ገዲፉ ከም ዝተመዛበለ ዝሓበሩ እዞም ግዳያት ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

እዞም ወገናት ከተማ ዛላንበሳ ሐዚ እውን ኣብ ትሐቲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘላ ብምሕባር ብጅግና ሰራዊት #ትግራይ ክባን ዕፅዋን ተፈንፂሑ ዘላቒ መፍትሒ ከም ዝመፅእ እምነቶም ገሊፆም፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ  እያሱ ምስግና ብግደኦም ፀላእቲ ኣብ ከተማ ዛላንበሳ ዕድመን ፆታን ብዘይፈሊ ህዘቢ ከምዘፅነትዎን ሐዚ እውን ሃፍትን ጥሪትን እቲ ህዝቢ ይወርዎ ከምዘለዉን ሓቢሮም፡፡

ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ብገበን ጄኖሳይድ ንዝሞቱ ስሩዕ ቀብሪ እውን  ከምዘይተፈፀመሎም ዝሓበሩ ከንቲባ  እያሱ ህዝቢ ዛላንበሳ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምርግጋፅ ደቁ የጋድል ከምዘሎን ብደቁ ከምዝድበስን ሓቢሮም፡፡

ህዝቢ ከተማ ዛላምበሳ ንዝሓለፈ 24 ዓመታት ብሰንኪ  ኣይኲናት ኣይሰላም  ዝህሰን ዝፅገምን ክሳዕ ሐዚ እውን ኣብ መከራን ህውከትን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ብሰለሙን በርሀ

Previous articleጅምላዊ ቕትለት ኣብ ምዕራብ ወለጋ
Next articleቃልሲ ኣንፃር ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ