Home ዜና ጠለብ መሰረታዊ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን

ጠለብ መሰረታዊ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን

928
0

ድሕሪ ስምምዕነት ቀዋሚ ቶኽሲ ደው ምባል ሰብአዊ ሓገዝን መድሓኒትን ናብ ትግራይ ንምእታው ምድንጓያት ዋላኳ እንተነበረ ካብ ሕዳር 6/2015 ዓ/ም ጀሚሩ መሰረታዊ ዝበሃሉ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ናብ ትግራይ ይኣቱ ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ እውን ኣብ ትግራይ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ህፃናት ትግራይ ብስእነት ክታበት ህይወቶም ክስእኑን ንዝከፈአ ጥዕናዊ ፀገም ክቃላዑን ፀኒሖም እዮም ዝበሉ ዶ/ር ኣማኒኤል ሕዚ ግና ብትካል ዩኒሴፍ ኣቢሉ ክታበት ናብ ትግራይ ከምዝኣተወን ብተወሳኺ እውን ሕፅረት ምግቢ ዘለዎም ንህፃናት፡ ጥኑሳትን መጥበውቲ ኣዴታትን ዝውዕል ሓገዝ ከምዝመፀ ኣረዲኦም፡፡ ይኹን እምበር ናይ ካልኦት ሕማማት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ዛጊድ ዝኣተወ ከምዘየለ ዶ/ር ኣማኒኤል ሓቢሮም፡፡

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት እዩ ዝርከብ ዝበሉ ዶ/ር ኣማኒኤል እቲ ብገበርቲ ሰናይ ዝመፅእ ዘሎ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ምስቲ ዘሎ ጠለብ ስለዘይመጣጠን ብዘይገደብ ክኣትው  ይግባእ ድማ ኢሎም፡፡

ብኢየሩሳሌም ገ/መድህን

Previous articleጉድእቲ ኣካል ህፃን
Next articleሓገዝ ንተመዛበልቲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ