Home ማሕበራዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብጉጅለ ኣብይ

ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብጉጅለ ኣብይ

970
0

ሕጊ ምኽባር ተባሂሉ ዝጀመረ ቅልውላው ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ዓብዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈፀመ ፀብፃብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ገይሩ፡፡ኣብቲ ፀብፃብ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዘካየዶ መረፃ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ፣ ዘጣየሸን ትካላት ፍትሒ ነቲ መንግስቲ ዘግልግላ ብምዃነን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ይፈርስ ምህላው እቲ ፀብፃብ ኣካቲቱ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ዓ/ም ፈረንጂ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝፈፀመ መንግስቲ ኣሜሪካ ፀብፃብ ኣቅሪቡ፡፡ኢትዮጵያ ንክልላት ዘማእኸለ ሕገ መንግስቲ ዋላኳ እንተሃለዋ ዘይሕጋዊ ውድብ ብልፅግና ንበይኑ ተወዳዲሩ 96 ሚኢታዊ ረኪበ ኢሉ ዝሰዓረሉ መረፃ ተኣማንነትን ተቀባልነትን ኣይረኸበን ይብል ፀብብፃብ መንግስቲ ኣሜሪካ፡፡ትግራይ ድማ ኣብቲ መረፃ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተሳተፈትን ስለዚ እቲ መረፃ ሙሉእ ተቀባልነት ከምዘይረከበ ግልፂ ገይሩ፡፡

ሕጊ ምኽባር ተባሂሉ ዝጀመረ ቅልውላው ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ዓብዩ ግፍዕታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፣ ቅትለትን ማእሰትርን ላዕለዎት ሰበስልጣን ዕፅዋ መሰረተ ልምዓትን መንግስታዊ ሙስናን ተፈፂሞም እዮም ክብል ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ጅምላዊ ቅትለት፣ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ፣ ዕንወት ሃፍትን መሰረተ ልምዓትን ብጭቡጥ ከምዝፈፀሙ እቲ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝመርሓ ሃገር ክብርታት ደቂ ሰባት ተጣሒሶም ዜጋታት ብመንነቶም ምእሳርን ምስቃይን፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ከይሕግዛ ቢሮክራሲ እናብዛሕካ ምዕፃውን ምድኻምን ተፈፂሙ እዩ፡፡ ትካላት ሕግን ፍትሕን እውን ኣገልገልቲ እቲ መንግስቲ ምኻነን ስዒቡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ከይትሳተፍ ማሕለኻታት ይፈጥራ ኣለዋ ዝበለ እቲ ፀብፃብ ምድኻም ባህልን መንነትን ፣ ኢድ ኣእታውነት ሃይማኖት ፣ናይ ምድኻም ትካላት ሰላም ፣ ዜጋታት ብሰንኪ መንነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከይዘዋወሩን ካብ ደገ ከይኣትዉን ንደገ ከይወፁን ምእጋድ ባህርያት እቲ መንግስቲ እዩ ኢልዎ ፀብፃብ መንግስቲ ኣሜሪካ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ዕፅዋ ትካላት ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ መብራህቲ፣ ጥሕሰት መሰል ህፃናት፣ ምዕማፅን ምድኻምን ደቂ ኣንስትዮን እኖታትን፣ ምጭዋይ ውልቀ ሰባት ኢሉ እውን ተላበድትን ተመሓላለፍትን ሕማማት ንክስፋሕፍሑ ተገይሩ እዩ ይብል ፀብፃብ መንግስቲ ኣሜሪካ፡፡

ብጥዑም ኣለሙ

Previous articleዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ
Next articleምዕባይ ባህሊ ምትሕግጋዝ