Home ዜና ጥምረት ኣቦ ገረባት ዓፋርን ትግራይን

ጥምረት ኣቦ ገረባት ዓፋርን ትግራይን

ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ተቐማጦ ዓፋር ብፋሽሽታውያን ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ከምዝሕዘኖም ኣቦ ገረባት ዓፋር ገሊፆም፡፡ ፋሽሽታዊያን ወረርቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዓፋርን ትግራይን ዘይዘሪ ምድማይ ንምፍጣር ዓሊሞም ዝፈፀምዎ ገበን #ጀኖሳይድ ብምፍሻል ዝፀነሐ ሓድነትን ሕብረትን ክልቲኦም ህዝብታት ንምጥንካር ከምዝሰርሑ ኣቦ ገረባት #ዓፋርን ትግራይን ገሊፆም። እዞም ኣቦ ገረባት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ #ትግራይ ተቀማጦ #ዓፋር ብሰራዊት ኣብይን ኢሳያስ ሰዓብቶምን ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ከምዝሕዘኖም ብምግላፅ እዚ እከይ ተግባር ንከይድገም ድማ ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ቅድም ክብል ኣብ ስራሕ ዝነበረ ጥምረት ኣቦ ገረባት ዓፋርን ትግራይን በዞም ፋሽሽታዊያን ወረርቲ ፈሪሱ ድሕሪ ምፅናሕ ዳግም ክጣየሽን እቲ ሽርሒ ፋሽሽታዊያን ወረርቲ ክብጠስ ዝፀዓረሉ ዘሎ ሓድነታዊ ገመድ ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ድማ ናብ ንብር ንምምላስ ዝዓለመ መድረክ ዘሳለጡ ኮይኖም ነዚ ጥምረት ኣቦ ገረባት ዝመርሑ ካብ ክልቲኦም ህዝብታት ዝተውፃፅኡ ኣቦ ገረባት መሪፆም እዩም። ብሙስጦፋ ጡሃ

1290
0
Previous articleመልእኽቲ ፕረዝድንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
Next articleቅንዕናን ቆራፅነትን ዝጎደሎ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ስርዓት ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ