Home ዜና ጥሮታና ዘይምርካብና ንጥሜት ተቓሊዕና

ጥሮታና ዘይምርካብና ንጥሜት ተቓሊዕና

1236
0

ክሳብ ሐዚ ጥሮታ ገንዘቦም ክኽፈሉ ብዘይምኽኣሎም ንጥሜት ተቓልዖም ከምዝርከቡ ነበርቲ ከተማ ሓውዜን ገሊፆም ፡፡

ብጥሮታ መነባብርኦም ዝመርሑ ነበርቲ ከተማ ሓውዜን ክሳብ ሐዚ ጥሮታ ገንዘቦም ብዘይምርካቦም ንጥሜት ካብ ምቅላዖም ብተወሳኺ ደቆም ከምህሩ ከምዝተፀገሙ ተዛሪቦም ፡፡

እቲ ኣበል ጥሮታ ንውስናት ጥሮተኛታት ምሃብ ዋላኳ ጅማሮ እንተሃለወ ናይ ኣብዝሓ ጥሮተኛ ብዘይ ምምፃኡ ንጥሜት ተቓልዖም ብምህላዎም መንግስቲ ፌደራል ብህፁፅ ክለቀሎም ፀዊዖም ፡፡

ኣይተ ማርየ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ብኲናት ዝበፅሖም ቑጠባዊን ማሕበራዊን ማህሰይቲ ክሳብ ሐዚ እታ ስድርኦም ዝመርሑላ ዝነበሩ ኣበል ጥሮታ ካብ መንግስቲ ፌደራል ብዘይምርካቦም ኣሸምባይዶ ንውላዶም ናውቲ ትምህርቲ ክገዝኡ ንዕለታዊ ምግቢ እኳ ካብ ኢድ ሰብ ተፀባይ ኮይኖም ከምዝርከቡ ገሊፆም ፡፡

ወዶም እውን እንተኾነ ተማሂሩ ዶክተር ኮይኑ ብሞያኡ ስድርኡን ትግራይን ንምግልጋል ዕላማ ከምዝነበሮ ይኹን እምበር እዚ ህፃን ብሰንኪ ኲናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሕቑ ዓላማኡ ተዓናቕፉ ከምዝነበረ ይዛረብ ፡፡

እዚ ተምሃራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትምህርቲ ብምጅማሩ ሕጉስ ዋላኳ እንተኾነ ሐዚ እውን ስድርኡ ክመሓደሩላ ዝነበረ ኣበል ጥሮታ ብዘይምርኻቦም ኣብ ፀገም ብምህላዎም ናብ ትምህርቲ ሒዝዎ ዝኸይድ ናውቲ ትምህርቲ ዘይምርኻቡ ንትምህርቱ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረሉ ገሊፁ፡፡

እዚተምሃራይ ሐዚ እውን ፀገማት ዋላእኳ እንተደራረብዎ ዝተበጣጠሱን ወረቓቕቲ ሰፍዩ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ልዕሊ ሰለስተ ዓይነት ትምህርቲ ብምጥቓም ዓላማኡ ንምስኻዕ ፃዕሪ ይገብር ዋላኳ እንተሃለወ ሐዚ እውን ድጋፍ ከምዘድልዮ ይዛረብ ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣይተ ገ/ማርያም ገ/መድህን፣ ወ/ሮ ኪዳን ካሕሳይን ኣይተ ገ/እግዝኣብሔር ተወልደ መድህንን እውን እንተኾነ ኣበል ጥሮታ ክልቀቐልና ብዘይምኽኣሉ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተቃሊዕና ንርከብ እዚ ድማ መንግስቲ ፈደራል ብህፁፅ ክለቅቐልና ይግባእ ኢሎም፡፡

ከንቲባ ከተማ ሓውዜን ኣይተ ኣርአያ ሃይለማርያም እቲ ኣበል ጥሮታ ንዝተወሰኑ ዋላእኳ ክመፅአሎም እንተኽኣለ ብርክት ዝበሉ ጥሮተኛታት ኣበል ጥሮታኦም ብዘይምርኻቦም ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ኣረዲኦም፡፡

#ብበላይ ሽፈራው

Previous articleምንካይ ሞት ሕንጠያት
Next articleስነ-ስርዓት ርኽክብ ትራክተራት