Home ዜና ጨካናት ወረርቲ ኣሮግቶትን ደቂ 10 ዓመትን ከይተረፈ ደፊሮምን ማሕፅነን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ...

ጨካናት ወረርቲ ኣሮግቶትን ደቂ 10 ዓመትን ከይተረፈ ደፊሮምን ማሕፅነን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ጌሮምዎ ኢዮም ፡፡ ብወረርቲ ዝተደፈራ 60 ዝዕድመአን ኣዶ

1524
0

ፋሽስታውያን ወረርቲ ዘርኢ ትግራዋይ ንክፀንት ፆታዊ ዓመፅ ከምሓደ መሳርሒ ኩናት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከቢድ ግፍዒ ኣብፂሖም እዮም፡፡
ኣብ መሬት ትግራይ ዘይተነገረ እምበር ዘይተገበረ ነገር የለን ፡፡ እዋኑ 21 መጋቢት 2013 ዓ/ም እዩ ነይሩ፡፡ ፋሽስታውያን ወረርቲ መሬት ትግራይ ወሪሮምዋ እናሃለው ኣብ ትግራይ ክቢድ ፆታዊ ዓመፅ ፍፂሞም ብ10ተታት ኣሽሓት ኣደታትን ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ ድማ ግዳይ እዚ ኣፅያፊ ዓመፅ ኮይነን እየን ፡፡
ካባኣተን ሓንቲ ዝኾና ኣብ ከተማ ግጀት ዝነብራ ዝነበራ 60 ዓመት ዝዕድመአን ወላዲት ካብቶም ግፎዓውያን ወረርቲ ዘብፅሕዎ ዝነበረ ግፍዕን በደልን ከምልጣ መንበሪኤን ራሕሪሐን ኣብ ማይ ጨሎት ኣዕቁበን፡፡
ኮይኑ ግን እዘን ወላዲት ካብቶም ኢድ ፀላእቲ ከምልጣ ኣይክኣላን፡፡ እዘን ኣዶ ኣብ ግዜ እርጋነን ክብርን ሓልዮትን ኣብ ዘድሌን እዋን ብሰለስተ እንስሳዊ ባህሪ ዝተላበሱ ወታደራት ኣብዩ ኣሕመድ ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ኮይነን እየን፡፡
እዘን ወላዲት ኣደ ንመንነቶም ንዓዶምን ዝቃለሱ ጀጋኑ ዝኾና ትግወይቲ ኣደ ካብ ዝበፅሐን ፆታዊ ዓመፅ ብተወሳኺ ግዳይ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኮይነን፡፡ ኣፍቲ ሰዓት ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባ ብዘይምክኣለን በቲ ዝበፅሐን ፆታውን ኣካላዊን መጥቃዕቲ ድማ ስነ-ልቦናውን ኣካላውን ጉድኣት ከምዝበፅሐን ይዛረባ፡፡
እዘን ኣዶ ከምዚ ከማይ በደል ዝበፀሐን ብርክት ዝበላ ኣለዋ ብፍላይ እዞም ጨካናት ወረርቲ ደቂ 10 ዓመት ከይተረፍ ድፊሮምን ማሕፅነን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ጌሮምዎ ኢዮም እዚ ኣብ ልዕሊ ድቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ትግራይ ዝተፈፀመ ከቢድ ሃሳያ ፍትሒ ክረክብ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ስጉምቲ ካኣቱ ይግባእ ይብላ ፡፡
ብኣበባ ፅጋቡ

Previous articleብክባን ዕፅዋን ፋሽስታውያን ንከቢድ ዓፀቦ ዝተቃልዑ ነበርቲ ጉለምኸዳ
Next articleግዳይ ምምዝባል ዝኾነት ምርኣይ ዝተሰኣና መምህር