Home ዜና ፀላእቲ ዘባህረረን ዘሰንበደን ወፍሪ ኣሉላ

ፀላእቲ ዘባህረረን ዘሰንበደን ወፍሪ ኣሉላ

1096
0

ወፍሪ ኣሉላ ህዝቢ ትግራይ ብደጀንን ግንባርን ሰሚሩ ልኡኹ ዝፈፀመሉን ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዝተመስከረሉ ከምዝነበረ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተዛሪቦም፡፡

ወፍሪ ኣሉላ ሰራዊት ትግራይ ካብ ደባይ ውግእ ናብ ስሩዕ ውግእ ዝተሰጋገረሉን ኣብ ፀላኢ ከቢድ ስዕረትን ኪሳራን ዝተመዝገበሉ ከም ዝነበረ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣረዲኦም፡፡

ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ግርማይ /ወዲ እምበይተይ/ ወፍሪ ኣሉላ  ህዝቢ ትግራይ ንምድምሳስ ዝወፈሩ ፀላእቲ ዝተደምሰስሉ ፉሉይ ወፍሪ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ወፍሪ ኣሉላ ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊት ትግራይ ካብዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝተመስከረሉ ከምዝኾነ ዝሓበረ ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ግርማይ /ወዲ እምበይተይ/ ፀላእቲ ክድምስሱ ወፂኦም ዝተደምሰስሉ ኣብቲ ውግእ ዘይተሳተፉ ድማ ብውቅዒት ሰራዊት ትግራይ ባህሪሮም ዝሃደምሉ ወፍሪ ነይሩ፡፡

ወፍሪ ኣሉላ ሰራዊት ተልእኹኡ ንምፍፃም ዘርኣዮ ቆራፅነትን ውፍይነትን መግለፂ ኣልቦ ከምዝነበረ ዝገለፀ ድማ ተጋዳላይ ዘነበ ክፍለ እዩ፡፡

ሚስጥር ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ህዝቢ ትግራይ ብደጀንን ግንባርን ብሓደ መንፈስን ተግባርን ልእኹ ዝፈፀምሉ ወፍሪ ነይሩ ዝበለ ድማ ተጋዳይ ገብረእግዚኣብሄር በየነ እዩ፡፡

ተጋዳላይ ንጉስ ኣበጀ ብግዲኡ ህዝቢ ትግራይ መሰረት ዓወት ወፍሪ ኣሉላን ብልሒ እቲ ዓወትን ከምዝኮነ ገሊፁ፡፡

እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ውፅኢት ምንባብን ስምረት ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ እዩ ኢሎም፡፡

ብሰለሙን በርሀ

Previous articleምህዞ መናእሰይ ኣብ ምፍታሕ ማሕበራዊ ፀገም
Next articleወጥሪ ኢትዮጵያን ሱዳንን