Home ዜና ፀሎተ ፍትሓት ሰማእታት ትግራይ ኣብ ከተማ ውቅሮ

ፀሎተ ፍትሓት ሰማእታት ትግራይ ኣብ ከተማ ውቅሮ

1100
0

ብምኽንያት 10ይ ዓመት ዝኸሪ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊን ኩሎም ሰማእታትን ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ከተማ ውቅሮ ደብረ ፅጌ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስትያን ፍትሓተ ፀሎተ ተሳሊጡ፡፡

ከተማ ውቅሮ ደብረ ፅጌ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስትያን

ስራሕ መካየዲ ቤተ ክህነት ከተማ ውቅሮ መልኣከ ገነት ሙሴ ዘነበ፣ ምእንተ ህዝቦምን ሃገሮምን መስዋእቲ ናይ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሕድሪ ተቀቢልና ኣብ ልዕሌና ዝተዳዕነነ ሓሰረ መከራ ንምብርዓን ብፀሎትን ሓድነትን ክንምክቶ ይግባእ ኢሎም፡፡

መልኣከ ገነት ሙሴ ዘነበ

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን ብዝተተለመ መንገዲ ህዝቢ ትግራይ ብሓለንጊ ጥሜት  ኣደዳ ሕማምን ሞትን ክኾን ብጭካነ ይሰርሑ ከምዘለው መልኣከ ገነት ሙሴ ዘነበ ገሊፆም፡፡

ከንቲባ ከተማ ውቅሮ ኣይተ ሃይላይ ትንስኡ ብወገኖም ህዝቢ ከተማ ውቅሮን መራሕቲ ሃይማኖትን ሰማእታት በቢዓመቱ ብምዝካር ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣለመ ቅሉዕ ዘርኢ ምፅናት ንምቅሃም ዝገብርዎ ዘለው ዝተዋደደ ቃልሲ ተጠናኪሩ ክቕፅል ሓቢሮም፡፡

ከንቲባ ከተማ ውቅሮ ኣይተ ሃይላይ ትንስኡ

ኣብ’ቲ ፅምብል ዝተረኸቡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ኣዋሽ ተስፋይ ህዝቢ ትግራይ ንሰራዊት ኣብ ምጥንኻር ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳይ ፃዕሪ ዕድመ ፀላእቲ ኣብ ምሕፃር ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ተጋዳላይ ኣዋሽ ተስፋይ

ነቲ ዝኽሪ ንምፅባል ዝተሳተፉ ነበርቲ ከተማ ውቅሮ ብወገኖም ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ኮነ ኩሎም ሰማእታት ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ተሰዊኦም ዝሃቡና ሓደራ ተሸኪምና ዘጋጥሙና ፀገማት ንምብዳህ ብሓድነት ክንቃለስ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ’ቲ ፅምብል ገዳማት፣ ኣድባራትን ኣብያተ ክርስትያንን ዝተሳተፉ ካህናት፣ መምህራ፣ መዘምራንን ኣመንትን ዝተሳተፉ እንትኾኑ ብስም ተጋዳላይ መለስ ዜናዊን ኩሎም ሰማእታትን ናይ ዳመራን ጥዋፍን ምውላዕ ስነ-ስርዓት ተሳሊጡ፡፡

ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleኣብ ኲናት ዝነብር ጉጅለ ፋሽስት
Next articleሕላገት ቃልሲ ወያነ ትግራይ