Home ዜና ፀረ-መኸተ ሓይልታት ኣደብ ይግዝኡ

ፀረ-መኸተ ሓይልታት ኣደብ ይግዝኡ

1301
0

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ዓመት ኣንፃር ፋሽስታውያን ወረርቲ ካብ ዘካየዶ ቃልሲ ዝመረፅክዎ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ይመለስ ዝብል ተጠቃሲ እዩ፡፡

ኣብ ዝለዓለ ብራኸ በፂሑ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብተሳትፎ ምልኣት ህዝቢ ከምዝተረጋገፀ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክግለፅ ፀኒሑ እዩ፡፡

ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ይፍረስ ብምባል ዝደጋግምዎ ሓሳብ ፀረ- ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑ ኩሉ ብትረት ክቃለሶ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣፈላላዩ ንጎኒ ብምሕዳግ እንቢ ኣይፀንትን ኢሉ ኣንፃር ወረርቲ ኣብ ሓደ ርትዓዊ መስመር ረቢቡ ብምቅላሱ ፀላእቲ ብወሳናይ መልክዑ ካብ ግዝኣቱ ብምብራር ፍረ ቃልሱ ዝኾነ ዝመረፆ መንግስቲ ናብ ቦትኡ እንትምለስ ፍናን ተሰሚዕዎ እዩ ፡፡

ሳላ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ዝተቓለሰ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን መኸትኡ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ተሰጋጊሩ ይርከብ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ ክንዲ እቲ ዝነበረ ሓድነት ኣስጢምካ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዳርችኡ ምብፃሕ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ብቓልሲ ህዝቢ ዝተመስረተን ናብ ቦትኡ ዝተመለሰን መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ካልእ ንመኸተ ዝሽርሽሩ ሓሳባትን ተግባራትን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ብምህላዎም ካብ ዓንቃፋይ ተግባሮም ተቖጢቦም ናብ ህዝባዊ መኸተ ክምለሱ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ ኣሎ፡፡ 

ብቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተመስረተ መንግስቲ ይፍረስ ኢልካ ብምእዋጅ ሓድነት ህዝቢ ክሽርሸር ምግባር ኣንፃር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ይግለፅ ኣሎ፡፡

ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብ መኸተ ትግራይ እጃሞም ዘበርክቱ ከምዘለዉን ብኣንፃሩ ድማ ምስ ፀላእቲ ወጊኖም ሕግታት ብዕሊ ብምጥሓስ ባንዳ ኮይኖም ይሰርሑ ብምህላዎም መንግስቲ ትግራይ ሕጋውነቱ ኣብቂዑ እዩ ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ ኢሎም ወሃቢ ቃል ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡፡

እቶም ውድባት ካብ መስመር ህዝባዊ መኸተ እናወፁ ብህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ብምግላፅ ሰራዊት ትግራይ ክብተን ፃዕርታት ብምግባር ንፀላእቲ ድኹዒ ይኾኑ ከምዘለዉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ምህላዎም ውፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ከም ፀጋ ዝውሰድን ምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ፡፡ ስለዝኾነ መኸተ ዘዐንቅፍ ኣፈላላያት ንግዚኡ ኣፅኒሕኻ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ብዓወት ንምዝዛም ብሓድነት ምቅላስ ንፅባሕ ዘይበሃል ዋኒን ክኸውን ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

መኸተ ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እዩ፡፡ ነዚ ቃልሲ ዘተዓናቕፍ ሓሳብን ተግባርን ምስጓም ድማ ጀኖሳይድ ትግራይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ምግባር ስለዝኾነ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ግዜ ወሲዶም ክሓስብሉ ሙሁራንን ተንተንቲ ፖለቲካን ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleዝርገሐ ዝናብ ኣብ ትግራይ
Next articleሓገዝ ንሚድያታት ትግራይ