Home ዜና ፃውዒት ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነ

ፃውዒት ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነ

1373
0

ጥምረት ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነ ንምውጋድ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ  ሕብረ ብሄራዊ ቃልሲ ፀዊዑ፡፡

ብስም ሕብር ዝተወደቡ ጥምረት ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውጋድ ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ንመሰሎም ደው ክብሉን፤ ኣንፃር ፋሽት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ቀላፅሞም ከልዕሉን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ልዕሊ 30 ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነ ብሓባር ዝሓቖፈ ሕብር ጥምረት ሓይልታት ኢትዮጵያ፤ ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ሉኣላዊነት ሃገር ክዕቀብን መሰል ዓርሰ ውሳነ ንኽረጋገፅን ኩሎም ሓይልታት ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ቃልሶም ከጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ምስ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ካልኦት ምስ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝተሓባበሩ ሃገራትን ተሓባቢርካ ህዝቢኻ ምውጋእ ገበን እዩ ዝበሉ ኣባላት እቲ ጥምረት፤ ትካላት ሃይማኖትን ካልኦት ክብሪ ክወሃቦም ዝፀንሑ ትካላትን ሃገሮም ንምጥፋእ ክገብርዎ ዝፀንሑ ጎስጓስ ኣብ ታሪኽ ዘሕትት ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ሃገሩን ህዝቡን ኣጥፊኡ መሬት ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ትካላትን ሃገራትን ንምሻጥ ዝፅዕር ዘሎ ድለላ ምዃኑ ዝገለፁ ኣብቲ ጥምረት ወኪል ብሄረ ኦሮሞ ዳኒኤል ዳፋ፤ ኣብ መንጎ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ጎንፂ ብምፍጣር ኣብ ጎንፂ ተሓቢኡ ክነብር ዝደሊ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዕዳም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ #ትግራይ ዝፈፀሞ ጀኖሳይድ፤ ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ይደግሞ ኣሎ ዝበሉ ዳኒኤል ዳፋ፤ ናይዚ ኩሉ መርኣያ ድማ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ባንዳን መፈፀሚ ድሌት ካልኦት ሃገራትን መራሕቲን እንበር ንረብሓ ህዝቡ ደው ክብል ከምዘይኽእል መረጋገፂ እዩ አሎም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ከምቲ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ዘውፅእዎ ትልሚ ኣይተሳኸዐሎምን ዝበሉ ተወካሊ ብሄረ ሲዳማ ኣይተ ኣብርሃም ብግዲኦም፤ ጉጅለ ፋሽስትን ዘራያቱን ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ዝገብሮ ዘሎ ዝተዋደደ ፃዕሪ ብትሉም ይመርሖ ምህላዉን፤ ዕላምኡ ንምስኻዕ ኩርኳሕ ዝኾንዎ ካልኦት ብሄራት ንምጥፋእ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ብዝተዋደደ ቀላፅም ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነ ክብርዕን ይግባእ ኢሎም፡፡

ንባዕሉ ብሽም ብልፅግና ሰይሙ ሃገር ከም ሃገር ኣብ ዕግርግር ዘእተወ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ሃገር ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ኣብፂሕዋ ኣሎ ዝበለ  ጥምረት ሓይልታት ሕብር መሰል ዓርሰ ውሳነ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩሎም ብሄራት ተወዲቦም ኣንፃር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ተሰሊፎም ክቃለሱ ፀዊዑ፡፡

ንትግራይ ወኪላ ኣብቲ ጥምረት መልእኽቲ ዘሕለፈት ኤደን ገብረስላሴ ብግዲኣ፤ ሓይልታት መሰል ዓርሰ-ውሳነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንናይባዕሎም ኣጀንዳ ሒዞም ይቃለሱ ምህላዎም ዝገለፀት ኮይና፤ ብደረጃ ዓለም ተደመፅቲ ንምዃንን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ፋሽስትን መሻርክቱን ፅዕንቶ ንምፍጣርን ብዝተወደበ መልክዕ ክንቀሳቐሱ ፃውዒት ኣቕሪባ፡፡  

ብገ/እግዚኣብሄር ሃይሉ

Previous articleሓድነት ህዝቢ ትግራይ
Next articleብዓመፅ ማህፀና ዝወረዳ ትግራወይቲ