Home ዜና ፃውዒት ሕብረት ኣውሮፓ ንምፍታሕ ቅልውላው ትግራይ

ፃውዒት ሕብረት ኣውሮፓ ንምፍታሕ ቅልውላው ትግራይ

1042
0

ካብ ዓለም ዝተቋረፀ ርክብ ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስ ሕብረት ኣውሮፓ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ሰብኣዊ ሓገዝ ሓዊሱ ንኩሎም ዓይነታት ግልጋሎት ብምዕፀዉ ካብ ዓለም ርክባ ተቋሪፁ ምፅንሑ ዝሓትት ሕብረት ኣውሮፓ ካብ ውሑዳት ሰሙናት ንነዘ ግና ሰብኣዊ  ሓገዝ ዝፃዓና መካይን ናብ ትግራይ ይኣትዋ ምህላወን ዘተባብዕ ኩነታት እዩ ይብል፡፡

ይኹን ደኣእንበር እቲ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ናብ ግዳያት ዓፀባ ክባፃሕ ከምዘይከኣለን ኣብ ከተማ መቐለ ተኣኪቡ ከምዘሎን ብምዕዛብ ነዳድን ካልኦት መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናብ ትግራይ ክዝርጋሕ ከምዝግባእ ምትሕስሳቡ  ኣሶሼቲድ ፕሬስ ፀብፂቡ፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ጃኔዝ ሌናርችች ኣብ ትግራይን 4 ኪሎን ዑደት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ ውፅኢት ትዕዝብቲ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ምጅማሩ ኣወንታውን ዝተባባዕን ተርእዮ ከምዝኾነ ብምግላፅ ልዕሊ 115 ሚልዮን ህዝቢ ምስ ዘለዋ ምብራቅ ኣፍሪካዊት ሃገር ኢትዮጵያ ርክብና ናብ ንቡር ዝምለስ ኣብ ትግራይ ይረአ ዘሎ ኩለመዳይ ቅልውላው ምስ እትፈትሕ እዩ ምባሎም ኣሶሼቲድ ፕሬስ ፀብፂቡ ኣሎ፡፡

እቶም ኮሚሽነር ኣስዒቦም ምዕፃዉ ግልጋሎት ባንኪ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔትን ኤሌክትሪክን  ርትዓዊ ኣይኮነን 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ንከቢድ ዓፀባ ተቓሊዑ እናሃለወ ይብሉ፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ምእላይ ሰብኣዊ ቅልውላው ሕብረት ኣውሮፓ ሌናርችች ባዕሉ መንግስቲ ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘቐመጦ እገዳ ነዳድን ሸርፍን ከልዕል ከምዘለዎን እቲ ጉጅለ ንወታደራዊ ረብሓ ክውዕል እዩ ዝብል ስግኣት ንምፍታሕ እንተደልዩ ስርዓት ክትትል ክገብር ይግባእ ኢሎም፡፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ን 950,000 ህዝቢ ክበቅዕ ዝኽእል ሰብኣዊ ሓገዝ እንተለኣኸ እውን ብሕፅረት ነዳዲ ናብ ዞባታት ክባፃሕ ዘይምኽኣሉ ታንከራት ነዳዲ ኣብ ዓፋር ሰመራ ምዕጋተንን ኣዘኻኺሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ናብ ተፀባይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣተወ ኣብ ሒሳብ ባንኩ ዘሎ ሃፍቱ ብዘይምጥቃሙ ከምዝኾነ እውን ሌናርችች የብርሁ፡፡

ኣብ ሕሉፍ ዓመት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ባዕላ ዝፈጠረቶ ኲናት ሲዒቡ ዘጋጠማ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘይምፍታሕ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ክትረኽቦ ዝነበረት 107 ሚልዮን ዶላር ከምዝተከልከለት እውን ሌናርችች ኣረዲኦም፡፡ 

ብደረሰ ብርሃነ

Previous articleStatement on EU Commissioner Janez Lenarčič’s Visit to #Tigray@JanezLenarcic@EUinEthiopia@RolandKobia@JosepBorrellF June 23, 2022.
Next articleምሻም ፍሉይ ሉኡኽ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ