Home ማሕበራዊ ፃውዒት ምድሓን ህይወት

ፃውዒት ምድሓን ህይወት

898
0

ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ንዓፀባ ዝተቓልዑ ተመዛበልትን ነበርትን ብምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ ሓገዝ ክግበረሎም ምንሑን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና እቲ ሓገዝ ብሰንኪ ሕፅረት ቀፃልነቱ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ምህላዉ ተገሊፁ፡፡ህይወት እቶም ወገናት ንምትራፍ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ወፃኢ ዝርከብ ወገን ዝከኣሎ ደገፍ ክገብር ከምዘለዎ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡ወይዘሮ ትርሓስ ኣዲሱ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ኣብ ንግዲ ሰራሕ ተዋፊረን ሃፍትን ንብረትን ኣጥርየን ፅቡቕ ናብራ ይመርሓ ዝነበራ መራሒት ስድራ እየን፡፡

ብሰንኪ መንነተን ግና ብጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ሃፍተንን ንብረተንን ተመንጢለን ክመዛበላ ተገዲደን፡፡እዘን ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣዕቚበን ዝርከባ ኣዶ ንሰንን ስድርአንን ንዓፀባ ተሳጢሖም ስለዝርከቡ ኣብ ምግባረ ሰናይ እመሆይ ፀጋ ግርማይ ተሓቚፎም ይሕገዙ ምህላዎም ተዛሪበን፡፡ነባር ተጋዳላይ ኣለማዮህ ገ/ዋህድን ወይዘሮ መርየም ኢብራሂምን ድማ ነበርቲ ከተማ ዓብይ ዓዲ እንትኾኑ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ንትግራይ ኣብ ፍፁም ዕፅዋ ኣእቲዩዋ ብምህላዉ ካብ ጡረታን ካልኦት ፍልፍል ኣታውታትን ይረኽብዎ ዝነበሩ ኣታዊ ስኢኖም ንዓፀባ ብምቅልዖም ተጠወርቲ እመሆይ ፀጋ ኮይና ኣለና ኢሎም ፡፡

ዝረኽብዋ ዘለዉ ሓገዝ ቀፃልነት ንኽህልዋ ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ነታ ትካል ደገፍ ክገብረላ እቶም ተሓገዝቲ ወገናት ተማሕፂኖም፡፡ ኣብቲ ስራሕቲ ምግባረ-ሰናይ ዝሕገዙ ወገናት ነብሰ-ፁር ኣዴታት ፣ ሓራሳት ፣ ወለዲ ኣልባን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ህፃናት ፣ ሰብ-ፀጋ ዕድመን ኣብ ዝኸፍአ ዓፀባ ዝርከቡ ስድራን ከምዝኾኑ ዝገለፃ መስራቲትን ኣካያዲት ስራሕ እቲ ትካል ዝኾና እመሆይ ፀጋ ግርማይ ኣብ ውሽጢ ፀላእቲ ኮይነን ንልዕሊ 400 እስትንፋስ ሓገዝ ብምግባር ከምዝጀመርኦ ገሊፀን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ የካይዶ ብዘሎ ዕፅዋን ክባን ንዓፀባ ዝተቓልዐ ህዝቢ ይበራኸት ብምህላዉ ዝሕገዙ ወገናት ልዕሊ 13 ሽሕ በፂሖም ምህላዎምን እዞም ወገናት ህይወቶም ክትቅኒ ንዝገበሩ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ትግራይን ብዕልን ብዘይዕልን ይሕግዙ ንዘለዉ ኣካላት እመሆይ ፀጋ ኣመስጊነን፡፡ ህይወቶምምን ህይወት ስድርኦምን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ዘሎ ወገናት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይበራኸት ብምህላዉን ተገይሩ ዝነበረ ሓገዝ እውን ኣብ ሓፂር ግዜ ስለዝውዳእ ነቶም ወገናት ንምድሓን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ደቂ ትግራይ ሓገዝ ክገብሩ እመሆይ ፀጋ ሓቲተን፡፡

ከተማ ዓብይ ዓድን ከባቢኣን ኣብ ሕሉፍ ዓመት በቶም ወረርቲ ዕንወትን ውራን ስለዝበፅሓን ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝተመዛበሉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወገናት ብምህላዎምን ዕፅዋን ክባን ፋሽሽታውያን ተሓዊስዎ ንዓፀባ ዝተቓልዑ ወገናት ብእመሆይ ፀጋ ይሕገዙ ከምዘለዉን ዝገለፁ ከንቲባ ከተማ ዓብይ-ዓዲ ኣይተ የውሃንስ ገ/ኣምላክ ነቲ ህልዊ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታው ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ሓገዝ ክገብር ሓቲቶም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous article“ብህይወት ክትነበሩ ኣይፍቀደኹምን ካብዛ መሬት ክነጥፍኣኩም ኢና”
Next articleብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ